እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቻይና ብቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ
ቻይና ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ (FDI) ብምስሓብ፡ ንፈለማ ግዘ ንኣሜሪካ በሊፃ፡ ኣብ ቅድሚት ከምዝተሰርዐት ተገሊፁ።
ትማሊ ሰንበት ዝወፅአ ፀብፃብ ሕቡራት ሃገራት ከምዝሓበሮ፡ ቻይና ሓደሽቲ ቀጥታ ኢንቨስትመንታት ወፃኢ ብምስሓብ፡ ንኣሜሪካ ብምብላፅ እያ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዓ ዘላ።
እቲ ፀብፃብ ከምዝብሎ፡ ቻይና ሓደሽቲ ቀጥታ ወፈራ (ኢንቨስትመንት) ቻይና፡ ብኣርባዕተ ሚእታዊት ዓብዩ እዩ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ናብ ኣሜሪካ ዝመፅኡ ሓደሽቲ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ብፍርቂ ከምዝነከየን፡ ብኣንፃሩ ናብ ቻይና ዝወሓዙ ቀጥታዊ ምውፋራት ድማ፡ ዝበለፁ ከምዝነበሩን እቲ ጸብጸብ ሓቢሩ።
እዚ ከኣ ቻይና ኣብ ዓለም ዘለዋ ፅልዋ፡ ኣዝዩ ይውስኽ ከምዘሎ ዘመላኽት እዩ ኢሉ፡ እቲ ሪፖርት።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቻይና 163 ቢልየን ዳላር ዝግመት ብቀጥታ ኢንቨስትመንት እንትውሕዝ፡ ኣሜሪካ ግና 134 ቢልየን ዳላር ጥራሕ ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ረኺባ።
ኣብ ኮንፈረንስ ንግድን ልምዓትን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNCTAD) እዩ፡ እዚ ፀብፃብ ዕላዊ ኾይኑ።
ኣብ 2019 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ኣሜሪካ 251 ቢልየን ዳላር ሓድሽ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ረኺባ ነይራ፡ ቻይና ድማ፡ 140 ቢልየን ቀጥታዊ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ረኺባ።
ዋላ’ኳ ቻይና ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ቀጥታ ሓድሽ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብምስሓብ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ እንተተሰርዐት፡ ብጠቕላላ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ግና፡ ኣሜሪካ ንዓለም እናመርሐት ትርከብ ነይራ።
እዚ ድማ፡ ኣሜሪካ ንዓመታት ቀንዲ መስሕብ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ከምዝነበረትን፡ ክንደየናይ ውህሉል ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዘለዋ ሃገር ምዃና ዘርእይ እዩ ኢሉ፡ እቲ ፀብፃብ።
ሰብሞያ ቁጠባ ግና ኣብ ደረጃ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ዝተርኣየ ለውጢ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ቻይና ኣብ ቁጠባ ዓለም፡ ክትፀልው ምጅማራ ዘአንፍት እዩ ይብሉ።
ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣሜሪካ፡ ኣብ 2016 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ምድያቡ ስዒቡ እዩ፡ ናብ 472 ቢልየን ዳላር ዓብዩ።
ኣብቲ እዋን፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ቻይና፡ 134 ቢልየን ዳላር እዩ ነይሩ።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ’ውን እንተኾነ፡ ትካላት ኣሜሪካ ብቕልጡፍ ንቻይና ገዲፎም ናብ ኣሜሪካ ክምለሱ ሓያል መተባብዒ ይህብ ኔሩ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ኣብቲ እዋን ትራምፕ፡ ትካላት ቻይና ስግኣት ድሕንነት ስለዝኾኑ፡ በብእዋኒ ክምርመሩ እዮም ብምባል ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሮም ግደ ከቆናፅብ ፈተኑ።
ምናልባት፡ ምምሕዳር ትራምፕ በዚ መገዲ ፅዕንቶ ክፈጥር ብምኽኣሉ ይኸውን፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ፡ ብኣሜሪካ ተታሒዙ ዝፀንሐ።
እንተኾነ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020 ቁጠባ ኣሜሪካ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እንክዝሕትል፡ ቁጠባ ቻይና ግና ክዓብይ ክኢሉ።
ኣብ 2020 ጠቕላላ ዘቤታዊ ምህርቲ ቻይና፡ ብ 2 ነጥቢ 3 ሚእታዊት ከምዝዓበየ መረዳእታታት ይሕብሩ።
እዚ ድማ፡ ቻይና ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ልምሰት ቁጣባ ዘይተሰምዐላ ብሕታዊት ሃገር ክትኸውን ኣኽኢልዋ።
ኣብዚ በዳሂ እዋን ቁጠባ ቻይና ብቅልጡፍ ምሕዋዩ፡ ንብዙሓት ሰብ ሞያ ቁጠባ ዘገረመ ኮይኑ ኣሎ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2020፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብ42 ሚእታዊት እዩ ኣንቆልቂሉ።
መብዛሕትኡ ግዘ፡ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ (FDI) ዝበሃል፡ ሓደ ናይ ወፃኢ ትካል፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዘለዉ ትካላት ብምዕዳግ፣ ምስ ናይ ባዕሉ ትካል ክሻረኽ ብምግባር ወይ ከኣ ብሓድሽ ትካል ሓድሽ ስራሕ ንምጅማር መዋእለ ንዋዩ ምውፋር እንክጅመር እዩ።