'ልዕሊ ፍርቂ ካብ በጽሕታት ቻይና: ልዕሊ ዓቐን ርጉዲ ኣለዎም'

ኣብ ቻይና፡ ልዕሊ ፍርቂ ካብ በጽሕታት፡ ወይ'ውን ልዕሊ ፍርቒ ቢልዮን ሰባት ጠገለ ዝስኣነ ክብደት ከምዘለዎም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ።

ኣብ 2002 ኣብ ዝተገበረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ፡ 29 ሚእታዊት ካብ በጽሕታት ቻይና ሚዛኖም ልዕሊ ንቡር ምንባሩን ሕጂ ግን ናብ ልዕሊ 50 ምኢታዊት ምድያቡን ኣሻቒሉ ይርከብ።

ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ተመዝግቦ ብዘላ ቁልጡፍ ቁጠባዊ ዕብየት፡ ህዝባ ኣገባብ ኣነባብርኡ ከምዝተቐየረ'ዩ እቲ መጽናዕቲ ዘብርህ።

መንግስቲ ቻይና ኣብ'ታ ሃገር ንዝረአ ዘሎ ብዝሒ ክሰዐ ንምጉዳል ኣብ ዘሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ሓዲሽ ውጥን ምውጽኡ ይዝከር።

ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ንከም ሕማም ልቢ፡ ወቕዕን ሽኮርያን ከምዘቃልዕ ሓካይም ይሕብሩ።

ኣብዚ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ሰብ ብሰሪ እቲ ሕማምን ዝተኣወጁ ዕጽዋታትን ምንቅስቓሱ ስለዝተደረተ፡ ጉዳይ ክሰዐ ኣዛራቢ ካብ ዝኾኑ ዛዕባተት ሓደ እዩ።

ብኮቪድ-19 ካብ ዝተለኸፉ እቶም ኣቕዲሞም ልዕሊ ንቡር ሚዛን ዝጸንሖም ሰባት፡ ናይ ምሕዋይ ዕድሎም ዝተሓተ ከምዘኾነን ብጽኑዕ ከምዝሓሙን ጽብጻባት የረድኡ።

ኮምሽን ሃገራዊ ጥዕና ቻይና ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ልዕሊ 50 ምኢታዊት ካብ በጽሕታት ቻይና፡ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ከምዘለዎምን ካብዚኦም እቶም 16.4 ምኢታዊት ኣብ ደረጃ ክረሻ ከምዝበጽሑን ሓቢሩ።

እቲ ጸብጻብ ቀንዲ ጠንቂ ኢሉ ካብ ዘቐመጦ፡ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምህላው'ዩ።

ካብ ኩሎም በጽሕታት ቻይና፡ ትሕቲ ሓደ ርብዒ ጥራይ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ኣካላዊ ምንቅሰቓስ ከምዝገብሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

እቲ ጸብጻብ ከም ካልኣይ ምኽንያት ኢሉ ዘቕረቦ ነጥቢ፡ መንእሰያት እዚ እዋን፡ ስጋ ኣዘውቲሮም ከምዝበልዑን ኣብ ፍረታት ዘለዎም ሽውሃት ግን ዝወሓደ ብምዃኑን'ዩ ይብል።

ኣብ ከተማ ሃርቢን ክኢላ ኣመጋግባን መኣዛዊ መግብን ዋንግ ዳን ንኤኤፍፒ ከምዝሓበሮ "ዝበዝሑ በጽሕታት እዛ ሃገር ውሑድ ምንቅስቃስ'ዮም ዝገብሩ፡ ብዙሕ ጸቕጢ ኸኣ ኣለዎም" ኢሉ።

መጠነ ወሰኽ ልዕሊ ንቡር ክብደት ዘለዎ ሰባት፡ ኣብ ቻይና ጥራይ ኣይኮነን ተራእዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት በደረጃ ዓለም'ውን ክውስኽ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ መጀመርታ እዚ ዓመት፡ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ብደረጃ ዓለም ብዝሒ ዝኸረሹ ሰባት ካብቲ ኣብ 1975 ዝነበረ ብሰለሰተ ዕጽፊ ከምዝወሰኸ ገሊጹ ነይሩ።

ኣብ 2016 ኣብ ዝተገበረ ተመሳሳሊ መጽናዕቲ'ውን፡ 40 ምኢታዊት ካብ በጽሕታት ዓለም ልዕሊ ንቡር ሚዛን ከምዝውንኑን ካብዚኦም እቶም 13 ሚእታዊት ኣብ ደረጃ ክራሽ ከምዝበጽሑን ኣብ'ቲ እዋን ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ሓቢሩ ነይሩ።

ቐጠር እታ ዝበዝሑ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ዘለዎም ህዝቢ ዘለዉዋ ሃገር ኮይና፡ ልዕሊ 70 ምኢታዊት ካብ ህዝባ ልዕሊ ንቡር ሚዛን ሰብነት ይውንን።