እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ያንግ ሀንግጂን፡ ኣውስትራልያዊ ስሙይ ብሎገር ኣብ ቻይና ተኣሲሩ
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝነበረ ቻይናዊ ኣውስትራልያዊ ፀሓፊ፡ ኣብ ቻይና ከምዝተኣሰረ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣፍሊጡ።
ነበር ዲፕሎማት ቻይና ያንግ ሀንግጂን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ኒውዮርክ ናብ ጉዋንግዙ እናተጓዓዘ እንከሎ እዩ ሃለዋቱ ጠፊኡ ቀንዩ።
ቻይና፡ ወዲ 53 ዓመት ስሙይ ፀሓፊ ያንግ ከምዝኣሰረቶ ንአውስትራልያ እኳ እንተፍለጠት፡ ምኽንያት ምእሳሩ ግን ክሳብ ሕዚ ግልፂ ኣይኮነን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣውስትራልያ ማሪስ ፐይን፡ ቻይና እዚ ጉዳይ ግልፅነትን ፍትሓውነት ብዝተመልኦ መንገዲ ክትሕዞ ኣተሓሳሲበን።
ቻይናዊ ኣውስትራልያዊ ያንግ፡ ምስ በዓልቲ እንድኡ ዩዋን ሩጁዋንን ወዱ ስቴፈንን እናተጓዓዘ እንከሎ እዩ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ።
ወይዘሮ ዩዋን ኣብ ቤንጂንግ ብሰብመዚ ቻይና ቃለመሕተት ዝተገበረላ እንትኸውን፡ ሰብመዚ ቻይና ግና ማእሰርቲ ዓንግ ግሁድ ምዃኑ ንመንግስቲ ኣውስትራልያ ካብምፍላጥ ሓሊፎም፡
ኣብዚ ጉዳይ ዝሃብዎ ርኢቶ የለን።
ያንግ ሀንግጂን መን'ዩ?
ወናኒ ገዚፍ መርበብ ሓበሬታ ዝኾነ ያንግ፡ ሓለሓሊፉ ንውድብ ኮምዩኒስት ቻይና ዝነቕፉ ፅሑፋት ይፅሕፍ። ኣብ ቀረባ ግዘታት ግና ንኮምዩኒስት ቻይና ዝነቕፉ ፅሕፋቱ እናነከየ መፅዩ እዩ።
ዘስደምሙ ናይ ስለላ መፅሓፍቲ ብምድራስ እውን ይፍለጥ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ነባርነቱ ኣብ ኒውዮርክ ብምግባር፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎምቢያ ብዝረኸቦ ዕድል ትምህርቲ እናተምሃረ ከምዝነበረ፡ ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ መሓዝኡ ዝኾኑ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ገሊፆም።
ሓጋዚ ፕሮፌሰር ፈንግ፡ ያንግ ናብ ቻይና ንከይጓዓዝ ኣጠንቂቐምዎ እኳ እንተነበሩ፡ ያንግ ግና 'ጉዕዘይ ውሑስ ክኸውን እዩ" ከምዝበሎም ሓቢሮም።
እቶም ሓጋዚ ፕሮፌሰር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ያንግ፡ ምእንተ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ስለዝዛረብ፡ 'ናይ ዲሞክራሲ ኣዛሪ (ቤላሮባ)' ዝብል ሳጓ ከምዝረኸበ ገሊፆም።
ቻይና ኣብዚ ቀረባ ሰሙናት፡ ንያንግ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ንክልተ ዜጋታት ካናዳ፡ ሚካኤል ኮቭሪግን ሚካኤል ስፓቮርን ብተመሳሳሊ ኣሲራ እያ።
ኣውስትራልያ ቅድም ክብል ኣብ ጉዳይ ማእሰርቲ እዞም ካናዳውያን ዜጋታት ርኢቶ ምሃባ ይዝከር።