ቻይና ናይ ዕብለላ ድልየት ከምዘይብላ ዢ ጂንፒንግ ገሊጹ

ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ፡ ሃገሩ ንካልኦት ሃገራት እናጎድአት ከምዘይትምዕብል ቃል ኣትዩ።

እቲ ፕረዚደንት ነዚ ዝተዛረበ፡ ቻይና ቅድሚ 40 ዓመታት ንዘተኣታተወቶም ዓበይቲ ቁጠባዊ ለውጢታት ኣብ እትዝክረሉ መበል 40 ዓመት ጽምብል እዩ።

ሃገሩ እንታይ ክትገብር ከምዘለዋ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣካል ትእዛዝ ከምዘይትቕበል እውን ገሊጹ'ዩ።

ቅድሚ 40 ዓመታት ነይሩ፡ ብመራሒ ነበር እታ ሃገር ዴን ሻኦፒንግ ዝተመርሐ ጎስጓስ "ለውጥን ምርሓው ደገታትን" ዝጀመረ።

ከም ውጽኢቱ ድማ ቻይና ኣብ ዓለምና እታ ካልኣይቲ ዝዓበየት ቁጠባ ክትከውን ክኢላ።

ፕረዚደንት ዢ፡ ቻይና ዋላኳ ነዚ ዕብየት እንተመዝገበት "ዓለማዊ ዓብላልነት ክህልዋ ግን ኣይትደልን" ኢሉ።

ነቐፍቲ፡ ቻይና ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ትጸቅጥ፡ ኣንጻር ዓሌታውን ማሕበረሰባውን ዘይምህዳኣት ከኣ ተሪር ቅዋም እያ እትወስድ ይብሉ።

ካብ ቀረባ እዋናት ጀሚሩ ድማ፡ እናወሰኸ ዝመጽእ ዘሎ መጠን ዕዳን ምንካይ ቁጠባዊ ዕብየትን ነታ ሃገር ይብድሃ ከምዘሎ ይግለጽ።

ጥንካረ ቻይና

ፕረዚደንት ዢ፡ ኣብቲ ነዊሕ መደርኡ ቻይና ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዘመዝገበቶም ዓወታት ዝዘርዘረ ክኸውን ከሎ፡ "ሓያሎ ጻዕሪ ዝተገበሮም ዓበይቲ ዓወታት" ክብል ገሊጽዎም።

ቁጠባዊ ለውጢ ቻይና ዝጀመረ ብ 1978 ብመራሒ እታ ሃገር ነበር ዴን ሻኦፒንግ እንትኾን፡ እቲ ናይ ለውጢ መርሃግብሪ ኣብቲ ዓመት እዩ ጸዲቑ።

እቲ ለውጢ፡ ቻይና ትኽተሎ ካብ ዝነበረት ናይ ማኦ ዜዶንግ ኣረጊት ዴሳዊ መገዲ ኣውጺእዋ እዩ። እቲ ነባር መገዲ፡ ድኽነትን ድኹም ቁጠባን እዩ ፈጢሩ ነይሩ።

እቲ ለውጢ፡ ኣብ ሕርሻዊ ስግግር (ትራንስፎርሜሽን)፣ ናይ ውልቀ ትካላት ናጻ ምግባር፣ ምዝማን ኢንዱስትርታትን ንዓለም ለኻዊ ንግዲ ኣፍ ደገኻ ኣብ ምርሓውን ዘተኮረ እዩ ነይሩ።

ፕረዚደንት ዢ፡ ነዞም ለውጥታት ካብ ነባር ጌጋታትካ "መቑሕ ሰይርካ ከም ምውጻእ" እዮም ክብል ገሊጽዎም።

ፖለቲካዊ ለውጢ የለን

ቁጠባዊ ለውጢ ከምዘሎ ኾይኑ፡ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቻይና ካብ ሓደ-ሰልፋዊ ዴሳዊ ኣገዛዝኣ ኣይተናገፈትን።

ፕረዚደንት ዢ ኣብ መደርኡ፡ መንግስቲ ኣንጻር ግዕዝይና (ብልሽውና) ንዝገብሮ ዘሎ መኸተ ንኢዱ።

ነቐፍቲ፤ ምምሕዳር ዢ ጂንፒንግ ኣንጻር ፖለቲካዊ ተቓውሞታት ተደጋጋሚ ስጉምትታት ከምዝወሰድ ይዛረቡ።

ሰብመዚ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ውዳበታት ጥቡቕ ቁጽጽር ከምዝገብሩን፤ ብቑጽሪ ውሑዳት ንዝኾኑ ኣብ ግዝኣት ዢንጂያንግ ንዝርከቡ ኣስላም ዊጉር፡ ይውጽዑ እዮም ዝብል ክሲ እውን ይቐርቦም እዩ።

ፕረዚደንት ዢ ጂንፒንግ፡ ድሕሪ ማኦ ዜዶንግ እቲ ዝሓየለ መራሒ ከምዝኾነ ብዙሓት ይኣምኑ።

ኣብ 2017፡ ፖለቲካዊ ሓሳባቱ ኣብ ሕገ መንግስቲ (ቅዋም) ብምእታው ድማ ሓይሉ ኣተርኒዑ እዩ።