ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ እዋን ለበዳ ህይወት ከተድሕን እትኽእል ዋጋ 20 ፓውንድ ቴክኖሎጂ

ህይወት ከተድሕን እትኽእል ዋጋ £20 (ፓውንድ) ኣቕሓ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ካብቲ ቀንዲ ናይ ኮቪድ-19 ምስጢር፡ እቲ 'ሰላሕታዊ ሃይፖክሲያ' ተባሂሉ ብዝጽዋዕ ኩነታት፡ ከይፈለጡዎን ከየስተብሃሉሉን፡ መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደሞም ይንኪ እሞ ንሞት ይቃልዑ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ሕሙማት ኮቪድ ናብ ሆስፒታል ተዳኺሞም ስለዝመጽኡ፡ ዋላ እውን እቲ ዝከኣል ሕክምናዊ ሓገዝ እንተተግበረሎም ብፍላይ እቶም ዕድመ ዝደፍኡን ሕዱር ሕማማት ዝጽንሖምን ነቲ ቫይረስ ንክስዕሩዎ ይሽገሩ።

ሕጂ ግን ሊቃውንቲ፡ መጠን ኦክሶጂን ኣብ ደም እትዕቅን፡ ኩሉ ሰብ ኣብ ቤቱ ክሕዛን ክጥቀመላን ዝኽእል፡ ብኣዝዩ ርትዓዊ ዋጋ እትሽየጥ መሳርሒ ምሂዞም ኣለው። እዛ መሳርሒት፡ ከም መዐቀኒ ሙቐት ቴርሞ ሜተርን መዐቀኒ ትርግታ ልቢ ፓልስን፡ ዝኾነ ሰብ ብቐሊሉ ክጥቀመላ ዝኽእል ምዃና ከኣ ዝያዳ ብልጫ ኣለዋ።

እዛ መሳርሒ፡ ብኮቪድ ዝተጠቕዑ ሕሙማት ኣብ ቤቶም እንከለው መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደም ብምዕቃን ኩነታቶም መዚኖም ገና ከይተዳኸሙ እንከለው ንሆስፒታል ንኽመጽኡ እትሕግዝ መሳርሒ ብምዃና ብዙሓት ሞያውያን ከም መቐይሮ ርእዮምዋ ኣለው።

ኣብ ደምማዕረ ክንደይ መጠን ኦክሲጂን የድሊ?

ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ መጠን ዝርገሐ ኮቪድ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት በጺሑ ብምህላው፡ ሓካይም፡ ነታ መጠን ኦክሶጂን ኣብ ደም እትዕቅን መሳርሒ ነብሲ ወከፍ ሰብ ገዚኡ ኣብ ቤቱ ክሕዛ ከምዘለዎ ይመኽሩ።

ኩሉ ሳዕ መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደም ካብ 95% - 100% ክኸውን ኣለዎ። እቲ ዓቐን ካብ 95% ናብ 94% ወይ 93% ክወርድ እንተጀሚሩ እቲ ሕሙም ቀልጢፉ ምስ ሓኪሙ ክዘራረብ ኣለዎ።

ብፍላይ ዝኾነ ይኹን ዓይነት ሕዱር ሕማም ዘለዎ እንተኾይኑ ኣምቡላስ ጸዊዑ ብዝቐልጠፈ ናብ ሕክምና ክጎዩ ኣለዎ። ምኽንያቱ ምንቁልቋል ኦክሲጂን ኣብ ደም ቅልጡፍ ሞት ከኸትል ስለዝኽእል ኦክሲጂን ትሕቲ 95% ይጎድል ምህላው ምልክት እንተሂቡ ናብ ሕክምና ክትቀዳደም ይግባእ።

ሕሙማት ኮቮድ ገና ኣብ ቤቶም እናሃለውን፡ ደሓን ኣሎና ነቲ ቫይረስ ተቓሊስና ክንስዕሮ ኢና ኢሎም እናመከቱ፡ መጠን ኦክስጂን ኣብ ደም ስለዘንቆልቁል፡ ሆስፒታል ክሳብ ዝበጽሑ ተዳኺሞም ይመጽኡ እሞ ቀልጢፎም ንክሓውዩን ክበራበሩን ግዜ ይወስደሎም። ገሊኦም እውን ካብ ሆስፒታል ንቤቶም ከይተመልሱ መወዳእትኦም ይኽውን።

ርእይቶታት ሕሙማትን ሓካይምን

"ደቂ 70ን መፋርቕ 80ን ሕሙማት ኮቪድ ምስ ምሉእ መጠን ኦክሲጂኖም ንቕበሎም ኣለው" ክብል ዶክተር ማት ኢናዳ-ኪም ካብ ክፍሊ ቅጽበታዊ ሕክምና ሃምፕሼር ሆስፒታል ንቢቢሲ ሬድዮ-4 ሓቢሩ።

እታ መሳርሒት መዐቀኒ መጠን ኦክሲጂን፡ ኣብ ኢንግላንድ፡ ንልዕሊ 65 ዝዕድመኦም ሕሙማት ኮቪድ ብፍላይ ከኣ ነቶም ሕዱር ሕማም ዝጸንሖም ብነጻ ይወሃቦም ኣሎ። ኣብ ካልእ ከባቢታት ዓባይ ብሪጣንያ እውን ንምስፍሑ ይስራሕ ምህላው ተዛሪቡ።

ሕሙማት ኮቪድ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሳዕ መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደሞም ክዕቅኑ ኣለዎም። ካብ 95% ክጎድል እንተጀሚሩ፡ ሓደገኛ ብምዃኑ፡ ምስ ሓኪሞም ብምዝርራብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክወስዱ ይምከሩ።

እቲ ቐንዲ ዕላማ ናይዚ መሳርሕን ጎስጓስን ሕሙማት ኮቪድ ምስ ሓይሎም እንከለው ናብ ሆስፒታል እንተመጺኦም ግቡእ ሓገዝ ብምርካብ ካብ ሞት ንክድሕኑ እዩ ይብል ዶር ኢናዳ ኪም።

ብሕማም ጻዕሪ ሽንቲ ንሆስፒታል ዝኣተወሞ ዳሕራይ ሰዓል ምስ ሓዞ መርመራ ምስ ገበረ ኮቪድ ከምዝሓመመ ዝፈለጠ ወዲ 70 ዓመት ክሪስ ሃሪስ ከኣ ሓደ ካብቶም ንፈለማ እዋን መዐቀኒ መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደም ዝረኸቡ ሕሙማት ኮቪድ እዩ።

ካልእ ወዲ 80 ዓመት መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደሙ ምሰ'ንቆልቆለ ናብ ሕክምና ኣትዩ ሓገዝ ዝረኸበ ሕሙም እውን ብዝረኸቦ ሓገዝ መሳርሒ ኣመስጊኑ።

ዶክተር ካሮላይን ኦኬኤፍ ነታ መሳርሒት ብዙሓት ሰባት ይጥቀሙላ ምህላዎምን ሕጉስቲ ምዃናን ትሕብር።

ኣብ ልደት፡ ን44 ሕሙማት መዓልታዊ መጠን ኦክሲጂን ደሞም ንከታተል ነይርና። ሕጂ ግን 160 ሕሙማት ንከታተል ኣሎና። ክሳብ ሕጂ ሕክምና ኢንግላንድ ኣስታት 300ሽሕ መዓቀኒ መጠን ኦክሲጂን መሳርሒታት ዓዲላ ኣላ። እቲ ጽቡቕ ነገሩ ግን ማንም ሰብን ስድራን ኣብ በቤቱ ዓዲጉ ክሕዛን ክጥቀመላን ዝኽእል ምዃኑ እዩ።

መድሕን ህይወት

ክሳብ ሕጂ ብዝተረኽበ ሓበሬታ እታ መሳርሒት ናይ ብሓቂ ጠቓሚት ኮይና ኣላ። እታ መሳርሒት ሰባት መጠን ኦክሲጂን ኣብ ደሞም ዓቂኖም ቅደሚ ናብ ሆስፒታል ምምጸኦምን ካብ ሆስፒታል ቀልጢፎም ንክወጽኡን ይሕግዝ።

በዚ መሳርሒ እዚ ከኣ ሳይለንት ሃይፖክሲያ ይምከት ኣሎ። ሳይለንስ ሃይፖክሲያ ማለት መጠን ምንቁልቋል ኦክሲጂን ኣብ ደም እዩ።