ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ዘፍሪ ትካል ብዝተወልዐ ባርዕ ብውሕዱ 5 ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ምዃኑ ዝንገረሉ ትካል መፍረ ክታበት ህንዲ ብዝተወልዐ ባርዕ ሓዊ ብውሕዱ 5 ሰባት ተቐቲሎም።
ህንጻ ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ህንዲ ዝርከብ ትካል ሴሩም፡ ብሓዊ ከምዝተቓጸለን፡ ጽዑቕ ትኪ ክወጽእ ከም ዝተራእየን ጸብጻባት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።
እቲ ትካል ብእንግሊዛዊ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፈርድን ትካል መፍረ መድሃኒት ኣስትራዘነካን ዝማዕበለ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዘፍሪ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ይኹን እምበር፡ ምፍራይ እቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ በቲ ባርዕ ከምዘይተጸልወ እቲ ትካል ገሊጹ’ሎ።
ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ዛጊት ኣይተፈልጠን።
እቲ ባርዕ 5 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ፡ ከምዝጠፍአ ከንቲባ ከተማ ፑን ተዛሪቡ።
“ሕማቕ ዜና በጺሑና’ሎ፡ ተወሳኺ መርመራ ድሕሪ ምክያዱ፡ ኣብቲ ሓደጋ ሂወት ሰብ ከምዝጠፍአ ክንፈልጥ ክኢልና ኣለና” ክብል ዋና ኣካያዲ እቲ ትካል ኣዳር ፑናዋላ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።
“ዓሚዩቕ ጓሂ ተሰሚዑና’ሎ፡ ንስድራ ቤት እቶም ዝሓለፉ ድማ ምጽንናዕ ንምነ” ኢሉ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ንትሕጃ ዝሓዝኩዎ ካልእ መፍረዪ ህንጻታት ስለዘሎ” ኣብ ልዕሊ ምፍራይ ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ ጽልዋ ኣይክህልዎን’ዩ ኢሉ።
እቲ “ኮቭሺልድ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ክታበት፡ ሓደ ካብቶም መንግስቲ’ታ ሃገር ፍቓድ ሂብዎም ዘሎ ክልተ ክታበታት’ዩ።
ህንዲ ኣብቲ እትገብሮ ዘላ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ናይ ክታበት ወፍሪ፡ ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ነሓሰ ኣስታት 300 ሚልዮን ሰባት ክትከትብ መደብ ኣለዋ።
ብዙሓት ታሕተዋይን ማእከላይን እቶት ዘለወን ሃገራት ዘድልየን ክታበት ኦክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ ካብቲ ትካል ይጽበያ ከምዘለዋ ይግለጽ።
ህንዲ፡ ድሕሪ ኣመሪካ፡ እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሐ ቁጽሪ መልከፍትን ሞትን ኮሮናቫይረስ ዘመዝገበት ሃገር’ያ።
ዛጊት ኣብታ ሃገር ልዕሊ 10.6 ሚልዮን ክልከፉ እንከለዉ፡ 153,000 ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሪካዊ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







