ህንዲ፡ ኣብ ፋብሪካ ዝተልዓለ ባርዕ ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ፡ ኣብ ሓደ ቦርሳ ዘፍርይ ፋብሪካ ዝተልዓለ ብርቱዕ ባርዕ፡ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ገሊጾም።
እቲ ባርዕ ሰንበት ንጉሆ ዝተልዓለ ኮይኑ፡ እቲ ዝተቓጸለ ፋብሪካ ኣብቲ ዝኣረገ ክፋል ናይታ ከተማ ዝርከብን በዓል ሽድሽተ ደብርን እዩ።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ከምዝበልዎ፡ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ደቂሶም ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ምንጪ ስእሊ, ANI via REUTERS TV
እቲ ፋብሪካ ዝተደኮነሉ ቦታ፡ ኣብ ከተማ ደልሂ እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ዝርከበሉን ዝተጻበቡ መገድታት ዘለውዎን እዩ። እዚ ድማ፡ ናብቲ ባርዕ ዝተልዓለሉ ቦታ ቀልጢፍካ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ገይርዎ።
ብዙሓት ሰባት እውን ብምኽንያት እቲ ትኪ ውነኦም ስሒቶም ናብ ሆስፒታላት ከምዝተወስዱ ጋዜጣታት እታ ሃገር ጽሒፈን።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ገና ይጻረ እዩ ዘሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







