ህንዲ፡ ኣብ ፋብሪካ ዝተልዓለ ባርዕ ልዕሊ 40 ሰባት ቀቲሉ

ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዋና ከተማ ህንዲ፡ ኣብ ሓደ ቦርሳ ዘፍርይ ፋብሪካ ዝተልዓለ ብርቱዕ ባርዕ፡ ብውሕዱ 40 ሰባት ከምዝቐተለ ሰብመዚ ገሊጾም።

እቲ ባርዕ ሰንበት ንጉሆ ዝተልዓለ ኮይኑ፡ እቲ ዝተቓጸለ ፋብሪካ ኣብቲ ዝኣረገ ክፋል ናይታ ከተማ ዝርከብን በዓል ሽድሽተ ደብርን እዩ።

ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት ከምዝበልዎ፡ ኣብ እዋን እቲ ሓደጋ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ፋብሪካ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ደቂሶም ነይሮም። በዚ ምኽንያት ድማ፡ ቁጽሪ መወትቲ ክዛይድ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

ኣምቡላንስ

ምንጪ ስእሊ, ANI via REUTERS TV

እቲ ፋብሪካ ዝተደኮነሉ ቦታ፡ ኣብ ከተማ ደልሂ እቲ ዝዓበየ ዕዳጋ ዝርከበሉን ዝተጻበቡ መገድታት ዘለውዎን እዩ። እዚ ድማ፡ ናብቲ ባርዕ ዝተልዓለሉ ቦታ ቀልጢፍካ ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ገይርዎ።

ብዙሓት ሰባት እውን ብምኽንያት እቲ ትኪ ውነኦም ስሒቶም ናብ ሆስፒታላት ከምዝተወስዱ ጋዜጣታት እታ ሃገር ጽሒፈን።

ሓዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንቀሊ ናይቲ ባርዕ ገና ይጻረ እዩ ዘሎ።