ጆ ባይደን ስለምንታይ ፕረዚደንታዊ ናይ ትዊተር ገጽ ከም ሓድሽ ክጅምር ተገዲዱ?

ጆ ባይደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተመራጺፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ሓድሽ ወግዓዊ ፕረዚደንታዊ ናይ ትዊተር ገጽ ዝኸፈተ ኮይኑ ተኸታሊ ስለዘይነበሮ ሓደ ኢሉ ክጅምር ተገዲዱ ኣሎ።

እዚ ከኣ ካብ'ቲ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ንፕረዚደንት ትራምፕ ዘሰጋገረሉ መስርሕ ዝተፈለየ ብምዃኑ ንደገፍቲ ባይደን ከምዘሕዘነ ይግለጽ።

እቲ ሓድሽ ብተመራጺ ፕረዚደንት ዝተኸፈተ ናይ ትዊተር ገጽ፡ ባይደን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ቃለ መሓላ ፈጺሙ ስልጣኑ ምስተረከበ 'ፕረዚደንት ጆ ባይደን' ናብ ዝብል ወግዓዊ ገጽ ክቕየር እዩ።

ብስም ባይደን ዝተኸፈተ ሓድሽ ናይ ትዊተር ገጽ ኣብ ውሽጢ 6 ሰዓታት ጥራይ 4 ሚኢቲ ሽሕ ተኸተልቲ ረኺቡ ኣሎ።

ጆ ባይደን ቅድሚ ሕጂ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ናይ ውልቁ ትዊተር ኣስታት 24 ሚልዮን ሰዓብቲ ነይርዎ። ጉጅለ ምምሕዳር ጆ ባይደን ንናይ ቀጻሊ ቀዳማዊት እመቤት ጂል ባይደን’ውን ሓድሽ ናይ ትዊተር ገጽ ኣመዝጊቡ።

ዶናልድ ትራምፕ ካብ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ዝወረሶ ናይ ትዊተር ገጽ ኣስታት 13 ሚልዮን ሰዓብቲ ዝነበርዎ ኮይኑ ሕጂ ግን እዚ ወግዓዊ ገጽ ናብ ጆ ባይደን ክሰግር ኣይከኣለን።

እቲ ብትዊተር ዝተወሰደ ስጉምቲ ንጉጅለ ጆ ባይደን ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ዝተገለጸ ኮይኑ እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ካብ ባዶ ክጅምር’ዩ።

ትዊተር ናብዚ ውሳነ ዝበጽሓሉ ምኽንያት ኣይተገለጸን። “እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ሰዓብቱ ካብቲ ነባር ምምሕዳር ብቐጥታ ክውስድ ኣይኽእልን” ዝበለ ትዊተር ስለምንታይ ከምኡ ከምዝበለ ግን ምኽንያቱ ብግልጺ ኣየነጸረን።

ንሰዓብቲ ወግዓዊ ትዊተር ገጻት ፕረዚደንትን ምክትሉን ከምኡ'ውን ተኸተልቲ ውልቃዊ ትዊተር ገጻት ባይደንን ሓዳሽ ተመራጺት ምክትል ፕረዚደንት ካሚላ ሃሪስን እቲ ሓድሽ ዝተኸፈተ ወግዓዊ ናይ ባይደን ክስዕብዎ ዘኽእል ሓበሬታ ክበጽሖም ከምዝግበር ትዊተር ኣፍሊጡ።

ባራካ ኦባማ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጽ ዝውንን ፈላማይ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ኣብ 2015 እዩ ተኸፊትሉ።

እቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝብል ገጽ ነቲ ሓድሽ ምምሕዳር ናይ ትራምፕ ብወግዒ ዘሰጋግር ጉጅለ ተጣይሱ ድማ ፕረዚደንት ትራምፕ ክጥቀመሉ ጸኒሑ።

ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማ ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ‘ትዊት’ ዝገበሮም ጽሑፋት ብዝተፈለየ ሜላ ካብ ውሉድ ወለዶ ክሰጋገሩ ኣለዎም ተባሂሉ ክሳብ ሎሚ ክንበቡ ይኽእሉ እዮም።

ዶናልድ ትራምፕ ነቲ ናይ ባዕሉ ወግዓዊ ናይ ትዊተር ገጽ ድኣ እምበር ነቲ ብሽም ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝተኸፈተ ናይ ትዊተር ገጽ ብዙሕ ክጥቀመሉ ኣይተረኣየን።

ትዊተር ብዛዕባ እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዝኣገዶ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ትዊተር ዋላ ሓንቲ ዝበሎ ነገር የለን። ብዛዕባ እቶም ዝሓዞም መርትዖታት ንታሪኽ’ኳ ሰኒድዎ እንተኾይኑ ተሓቲቱ ምላሽ ክህብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።