እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅልውላው ትግራይ፡ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንገለ መራሕቲ ህወሓት ‘ቀቲለን ማሪኸን’ ኢሉ
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ንገለ ኣባላት ህወሓት ከምዝቐተለን ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለን ትማሊ ሓሙስ ገሊጹ።
ሓላፊ መምርሒ ወፍርታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዲየር ጀኔራል ተስፋዬ፡ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ክዛረብ እንከሎ፡ ኣቶ ሴኩቱሬ ጌታቸው ሓዊሱ 4 መራሕቲ ህወሓት ከምዝተቐተሉን፡ 9 ካልኦት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉን ገሊጹ።
እንተኾነ፡ እቶም መራሕቲ ኣበይን ብኸመይን ከምዝተትሓዙን ከምዝተቐትሉን ዝርዝር ኣይቀረበን።
ቅድም ክብል’ውን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንገለ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መራሕቲ ህወሓት ከምዝቐተለን ከምዝማረኸን ክገለጽ ጸኒሑ እዩ።
ይኹን’ምበር ብዛዕባ እቶም መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝሞቱን ከምዝተኣስሩን ዝገልጾም ሰበስልጣን ብዝምልከት፡ ብወገን ህወሓት ኮነ ካብ ካልእ ዘይሻራዊ ኣካል ኣይተረጋገጸን።
ገለ ካብቶም ተቐቲሎምን ተማሪኾምን ተባሂሎም ዝተገልጹ ሰባት፡ ቅድም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጸኦ ዝርዝር ተደለይቲ ዘይነበሩ እዮም።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ብሕዳር ኣርባዕተ 2020 እዩ ጀሚሩ። ብሰንኪ'ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም እዮም።
ተቐቲሎም ዝተባህሉ እንመን እዮም?
ኣብ’ቲ ትማሊ ሓሙስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ፡ ከምዝተቐትሉ ዝተገልጹ 4 መራሕቲ ህወሓት፡ ኣቶ ሴኩቱሬ ጌታቸው፣ ኣቶ ዘርኣይ ኣስገዶም፣ ኣቶ ኣበበ ገብረመድህን ከምኡ ድማ ኣቶ ዳንኤል ኣሰፋ ከምዝኾኑ እዩ ተገሊጹ።
እቶም ተቐቲሎም ዝተብሃሉ መራሕቲ፡ ኣንጻር ስርዓት ደርጊ ኣብ ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ ተጋደልቲ ኮይኖም፡ ጸኒሖም ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ጸፍሕታት ዘገልገሉ ሰብመዚ እዮም።
ምስ ህወሓትን ብኣዴንን ዝተጋደለ ኣቶ ሴኩቱሬ ጌታቸው፡ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ጎንጺ ምስተልዓለ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ እዚ ሰሜን “ንርእሰ ምክልኻል መብረቓዊ ስጉምቲ” ከምዝወሰዱ ድሕሪ ምግላጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኣቶ ዘርኣይ ኣስገዶም፡ ቅድም ክብል ሓላፊ ቴሌቪዥን ኢትዮጵያን ጸኒሑ ድማ ሓላፊ በዓልመዚ ብሮድካስት ኢትዮጵያን ኮይኑ ዘገልገለ ኮይኑ፡ ኣብ ውድብ ህወሓት ድማ ኣባል ማእከላይ ኮሚቴ ኮይኑ ዘገልገለ እዩ።
ኣብ’ቲ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሓላፊ ድምጺ ወያነ ትግራይ ምንባሩ ዝተገልጸ፡ ኣቶ ኣበበ ገብረመድህን ዝብል ስም ተጸሪሑ’ሎ። ሓላፊ ድምጺ ወያነ ትግራይ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ሓላፊ ግን፡ ኣቶ ኣበበ ኣስገዶም ከምዝኾነ እዩ ዝፍለጥ።
ኣቶ ዳንኤል ኣሰፋ ድማ፡ ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረን ቅድሚ ምጅማር ጎንጺ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን፡ ሓላፊ ፋይናንስ ትግራይ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረን እዩ።
ካብዞም ሰብ መዚ ብተወሳኺ፡ ምስኦም ነይሮም ዝተብሃሉ ዘወርቲ መኪናን ሓለውትን’ውን ከምዝተቐትሉ እዩ ተገሊጹ።
ተታሒዞም ዝተብሃሉ ኸ እንመን እዮም?
ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንትሸዓተ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ቀይዲ ከምዘውዓለ ገሊጹ’ሎ።
ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ክልል ትግራይ ዝነበረትን ነባር ተጋዳሊትን ህወሓት፡ ቅዱሳን ነጋ ካብቶም ተታሒዞም ተባሂሎም ስሞም ዝተጸርሑ እያ።
ካብ መናእሰይ መራሕቲ ህወሓት ሓደ ዝኾነ ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ’ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተገሊጹ’ሎ። ንሱ፡ ሓላፊ ልምዓት ከተማ ትግራይ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድማ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ትራንስፖርት ኮይኑ ዝሰርሐ እዩ።
ዶክተር ሰለሞን ኪዳነ፡ ኣብ’ቲ ብዘይ ድልየት መንግስቲ ፌደራል ዝተኻየደ መረጻ ትግራይ፡ ንህወሓት ወኪሉ ምስ መዛንኡ ተቐናቐንቲ ውድባት ክትዓት ከምዘካየደ ዝዝከር እዩ።
ንነዊሕ ዓመታት ንማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ዝመርሐ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ኣይተ ተኽለወይኒ ኣሰፋ’ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ’ሎ።
ሓላፊ ንግዲ ክልል ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ገብረመድህን ተወልደ፡ ሓላፊ ትራንስፖርት ትግራይ ዝነበረ ኣቶ ወልደጊዮርጊስ ደስታ’ውን ካብቶም ከምዝተትሓዙ ዝተገልጹ ሰብ መዚ እዮም።
ብተወሳኺ፡ ነባር ተጋዳላይ ህወሓት ዝነበረ፡ ኣብ ሱዳን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ ኣምባሳደር ኣባዲ ዘሞን፡ ካልእ ነባር ተጋዳላይን ኣብ ሓደ እዋን ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝነበረን ኣቶ ቴድሮስ ሓጎስን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ሰራዊት ኢትዮጵያ ይገልጽ።
ኣብ ባይቶ ትግራይ ኣማኻሪት ሕጊ ምንባራ ዝተገልጸት ወይዘሮ ምሕረት ተኽላይን፡ ኣቶ ኣደም መሓመድ ዝበሃል ካልእ ክልላዊ በዓልስልጣን ዕድጊት ንብረትን ከምዝተትሓዙ’ውን ወሲኹ ይጠቅስ።
መንግስቲ ፌደራል ትእዛዝ ማእሰርቲ ዘውጸኣሎምን ብቐንዱ ዝደልዮምን፡ ንዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ሓዊሱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህወሓት ኣበይ ከምዘለዉ ግን ዛጊት ኣይፍለጥን።
ቅድሚ ሰሙናት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዘለውሉ ቦታ ንዝሕብር፡ ሽልማት 10 ሚልዮን ብር ከምዘዳለወ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
ኣብ ክልል ትግራይ ጎንጺ ኣሎ’ዶ?
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኩናት ኣብቂዑ እዩ ኢሉ ዝኣወጀ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ገለ ክፋላት ክልል ትግራይ ገና ጎንጺ ይቕጽል ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓይልታት ትግራይ ምስ ሰራዊት ፈደራልን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ኲናት ጸሚዶም ከምዘለዉ እዮም ዝገልጹ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ግን "ኣብ ትግራይ ኩናት ኣሎ ዝብል ፍጹም ሓሶት እዩ" ኢሉ ነይሩ።
መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ኣብ ትግራይ ኣንጻር ህወሓት ክዋጋእ ዝወፈረ ሰራዊት ኤርትራ ከምዘየሎ እዮም ዝገልጹ።
እንተኾነ፡ ገለ ኣባላት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ግን፡ ህዝቢ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ይሓትት ምህላዉ ኣሚኖም እዮም።
ብተወሳኺ ድማ፡ ኣዛዚ ሰራዊት እዚ ሰሜን ጀነራል በላይ ስዩም “ናይ ባዕዲ ሰራዊት” ናብ ትግራይ ከምዝኣተወ ዝገለጸሉ ቪድዮ ተዘርጊሑ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ’ሎ።
ብመንግስቲ ፌደራል ዝቖመ ግዚያዊ ምምሕዳር ኣብ ገለ ከተማታት ትግራይ፡ ምሕደራ ይዝርግሕ ምህላዉ ይገልጽ።
ኣብ ከተማ መቐለን ገለ ውሱን ከባብታት ትግራይን፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ክሰርሕ ጀሚሩ'ሎ። ኣገልግሎት ኢንተርኔት ግን ሕጂ’ውን ዕጹው እዩ ዘሎ።
ምክንያት እቲ ግጭት እንታይ እዩ?
እቲ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን ፈደራልን ዝነብረ ምትፍናን፡ ቀዳማይ ሚኒሰተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ሓይልታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኣብቲ ክልል ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ትግራይ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ወርሒ ሕዳር 2020 ኵናት ምስ ኣወጀ፡ እቲ ዝነበረ ወጥሪ ናብ ቅሉዕ ኵናት ዓሪጉ።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ እቲ ንክልል ትግራይ ዝመርሕ ውድብ ህወሓትን ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራልን ንሓድሕዶም ኣፍልጦ ተነፋፊጎም ርክቦም ሓርፊፉ ነይሩ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ ምጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ናብ ክልል ትግራይ እዩ ኣንሳሒቡ ጸኒሑ።
ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ትግራይ
ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላዉ፡ 2.2 ሚልዮን ሰባት ከምዝተፈናቐሉ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ሰብ መዚ ተዛሪቦም ነይሮም።
ውሃቢ ቃል ቤትጽሕፈት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ገብረመስቀል ካሳ ንማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፍርቂ ካብቶም ተፈናቐልቲ ኣባይቶምን ንብረቶምን ዓንዩ ዝሃደሙ ምዃኖም ሓቢሩ።
“ክሳብ ሕዚ ብዘሎ መረዳእታ፡ 4.5 ሚልዮን ህዝቢ፡ [ህጹጽ ረዲኤት] ዘድልዮ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ገብረመስቀል፡ እቲ መጽናዕቲ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝተኻየደ ጥራይ ስለዝኾነ፡ እቲ ቁጽሪ ክዓቢ ከምዝኽእል ጠቒሱ።
ዓለምለኻውያን ትካላት ረዲኤት፡ ናብ ክልል ብዘይ ዝኾነ ገደብ ናብቲ ክልል ንምእታዉ ምስ ሰብመዚ ክዘራረቡ’ኳ እንተጸንሑ ከምዘይሰለጦም ይገልጹ።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝርከቡ መዓስከራት ዝርከቡ ኣስታት 100,000 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሕማቕ ኩነታት ምህላዎም ይፍለጥ።