ሓንቲ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ዝኾነት ኬርያ ኢብራሂም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ 'ኢዳ ሂባ'

መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ትሽዓተ ላዕለዎት መራሕቲ ህወሓት ኬርያ ኢብራሂም ንሰራዊት ፈደራል ኢዳ ከምዝሃበት ሓቢሩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ናይ ተሌፎንን ኢንተርነትን ርክብ ተዓጽዩ ብምህላው ካብ ዝኾነ ካልእ ወገን ብዛዕብኣ ዝተሰምዐ ነገር የሎን።

መዓስ፡ ኣበይን ብኸመይን ኢዳ ከምዝሃበት ግን እቲ ሓበሬታ ኣየነጸረን።

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ፈደረሽን ነበር ኬርያ ኢብራሂም: ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብቶም ዝለዓሉ ሓላፍነት ዝነበራ ሰብ እያ። ኬርያ: መንግስታት ፈደራልን ክልል ትግራይን ብጉዳይ ምርጫ ምስተሰሓሐቡ፡ ኣብ ሰነ 2020፡ "ሕገ መንግስቲ ይጠሓስ ኣሎ" ብዝብል ብገዛእ ፈቓዳ ካብ መዝነታ ምውራዳ ይዝከር።

ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም መን እያ?

ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2010 ኣፈ-ጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኮይና ዝተሸመት ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም፡ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ወረዳ ጀሚሩ ኣብ ዘሎ መሓውር መንግስቲ ካብ 1995 ኣትሒዛ ከተገልግል ዝጸንሐት እያ።

ሓንቲ ካብተን ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ክትከውን ከላ፡ ቅድሚ ናብ ባይቶ ፌደሬሽን ምምጽኣ፡ ሓላፊት ስቪል ሰርቪስ ትግራይ ነይራ።

ኣመሓዳሪት ዞባ ደቡብ ምብራቕን ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮን ኮይና'ውን ሰሪሓ እያ።

ኣብ ኣስመራ ዝተወለደት ወይዘሮ ኬርያ፡ ቀዳማይ ዲግሪ ብስነ-ቁጠባ (ኢኮኖሚክስ)፡ ካልኣይ ዲግሪ ድማ ኢንቫይሮሜንታል ኣንትሮፖሎጂ ተመሪቓ።