እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስልጣንን ተግባርን 'ጽላል ብሄር-ብሄረሰባት' ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ፡ እንታይ እዩ?
ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ብፍቓዳ ካብ ሓላፍነታ ከም ዝተኣለየት ገሊጻ።
'ምጥሓስ ሕገ መንግስቲ' ይፍጸም ከም ዘሎን "ምልካዊ መንግስቲ ይስረት ምህላዉን" ድማ፡ ምኽንያት ምግዳፍ መዝነታ ከም ዝኾነ ተዛሪባ።
በዚ ምኽንያት፡ "ንሕገመንግስቲ፣ ህዝበይን ሕልናይን ዝኣተኽዎ ቃል ንምኽባር ክብል፡ ብፍቓደይ ካብ ኣፈጉባኤነት ከም ዝተኣለኹ የፍልጥ" ኢላ።
እቲ ባይቶ፡ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዙርያ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሉ ሕቶ ምትርጓም ሕገ መንግስቲ፣ ሕቶ ክልል ህዝብታት ደቡብ፣ መሰላት ጉጅለን ውልቀን ዝምልከቱ ጉዳያት ፡ ኣጀንዳ ሒዙ ክዝቲ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።
ዓንቀጽ 66 እቲ ሕገ መንግስቲ፡ እቲ ባይቶ ዘካይዶም ኣኼባታት ናይ ምምራሕ ስልጣን እታ ኣፈ ጉባኤ ምዃኑ'ኳ እንተገለጸ፡ ወይዘሮ ኬሪያ ግን ነቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ፌደሬሽን ኣይክትመርሕን።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ሃገራዊ መረጻ ብዝተትሓዘሉ ትልሚ ከካይድ ከምዘይኽእል ድሕሪ ምግላጹ፡ ነዚ መረጻ ንምንዋሕ ከም ኣማራጺ ዝተወሰደ 'ትርጉም ሕገ-መንግስቲ ምንዳይ' ዝብል ፍታሕ፡ ብባይቶ ፌዴሬሽን ኣቢሉ ክፍጸም ከም ዝተወሰነ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ጉዳይ ክዝትየሉ ከም ዝጸንሐ ዝግለጽ ቤት ምኽሪ ደሬሽን ድማ፡ ሎሚ መዓልቲ ውሳንኡ ከፍልጥ ከም ዝኾነ ትጽቢት ይግበር።
ንምዃኑ፡ ሕገ መንግስታዊ ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን እንታይ'ዩ? ምኽንያት ምግዳፍ መዝነት እታ ኣፈ ጉባኤ እንታይ የመላኽት? ዝብሉን ካልኦትን ሕቶታት ይለዓሉ ኣለው።
- ስልጣንን ተግባርን ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን
ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ብሄር ብሄር ሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ እዩ ተባሂሉ፡ ሉኣላዊ በዓል ስልጣን'ውን እቶም ብሄር ብሄረሰባት ከም ዝኾኑ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ድማ፡ ናይዚ ሉኣላውነቶም መግለጺ እዩ። ካብ መእተዊ እቲ ሕገ መንግስቲ ጀሚሩ ኣብ ዘለው ዓንቀጻት፡ ልዕነት ሕገ መንግስቲ [ዓንቀጽ ሸሞንተ]፣ መሰል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን [ዓንቀጽ 39]፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን መን'ዮም[ዓንቀጽ 61]፣ ስልጣንን ሓላፍነቱንከ እንታይ'ዩ? [ዓንቀጽ 62] እናበለ ይወርድ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት፡ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝውከልሉ ባይቶን፤ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታንን ዝውከልሉ ባይቶ ፌደሬሽንን ኣለው።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ውክልና ህዝቢ ምርግጋጽ፣ ፈጻሚ ኣካል ምቁጽጻር፣ ሕጊ ምውጻእ ዝብሉ ዕመማት ክህልውዎ ከለው፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ድማ፡ ውክልና ብሄርብሄረሰባት ይሕዝ።
ሕድሕድ ኣፍልጦ ዝተዋህቦ ብሄረሰብ ድማ፡ ኣብቲ ባይቶ ናይ ግድን ሓደ ተወካሊ ኣለዎ፤ ድሕሪኡ ንነፍስወከፍ ሓደ ሚሊየን ሓደ ኣባል ተመሪጹ'ውን ይኣትዎ።
ኣባላት ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ብክልላዊ ባይቶ ወይ'ውን ብቐጥታ ክምረጹ ይኽእሉ፤ ሕዚ ብዘሎ ኣሰራርሓ ግን ብቤት ምኽሪ ክልል'ዮም ዝምረጹ።
ብመሰረት ኣብ ዓንቀጽ 62 ሰፊሩ ዝርከብ ዝርዝር ሓላፍነቶም ድማ፥
- ሕገ መንግስቲ ምትርጓም፣ መሰል ዓርሰ ውሳነ ምርግጋጽ
- ናይ ህዝቢ ውክልና ዝረጋገጸሉ ትካል ስለ ዝኾነ ድማ፡ ኣብ ሞንጎ ክልላት ዝህሉ ርክባትን ሓድነትን ምጥንኻር
- በጀት ክልላት ምውጻእ
- መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልላት ጣልቃ ክኣቱ እንተኾይኑ'ውን ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ይፍጸም ከይህሉ ናይ ምክትታል ስልጣን ኣለዎ።
ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ብፌደራላዊ ስርዓት ኣብ ዝመሓደራ ሃገራት ዝተፈላለየ ኣፈጻጽማ ዘለዎ ኮይኑ፡ ንኣብነት ኣብ ኣሜሪካ፡ ሓድሕድ ክልል 2 ወከልቲ ኣለዋ፤ እዚ ማለት ኣብቲ ፌደሬሽን 100 ኣባላት ኣለው ማለት እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ እቲ ባይቶ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ልኣላዊነት መግለጺ እዩ ተባሂሉ ስለ ዝውሰድ፡ ነፍሲ ወከፍ ብሄር ብሄረሰባት ውክልንኦም ክርኣይ ኣለዎ ማለት እዩ።
ናይ ትግራይ እንተርኢና፡ ኣብቲ ክልል ሰለስተ ብሄራትን ብሄረሰባትን ኣለው [ኢሮብ፣ ኩናማን ትግራይን]። እዚኦም፡ ሓደ ሓደ ተወካሊ መሪጾም ልኢኾም ኣለው። ካልእ ንሓደ ሚሊየን ህዝቢ ዝውክል ሰባት'ውን መሪጾም'ዮም።
ንምንታይ ረብሓ'ዩ ተጣይሹ?
"ኢትዮጵያ፡ ናይ ብሄር ብሄረሰባት ሃገር እያ፤ ኣብታ ሃገር ከኣ ናይ ብሄር ጭቆና ስለ ዝነበረ፡ ትካላዊ ፍታሕ የድልዮ ነይሩ"ይብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ መምህር ሕገ መንግስቲ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ።
ንሱ ከምዝብሎ፤ ኣብ ሞንጎ እዞም ህዝብታት ዘሎ ሓድነት ንክጥናኸር ትካላዊ መልክዕ ክሕዝ ኣለዎ።
በዚ ምኽንያት፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ መግለጺ እቲ ሕብረብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ተገይሩ ስለ ዝውሰድ፡ ቐንዲ ዝተጣየሸሉ ዕላማ ጽላል እቶም ብሄራት ኮይኑ ንከገልግል እዩ።
እዚ ትካል ክጣየሽ እንከሎ፡ እቶም ብሄረሰባት ናይ ሓባር ዕላማ ኣለዎም ስለ ዝብሃል፡ በዚ ንክንጸባረቕን ንክውከልን ዝተጣየሰ ትካል ምኳኑ እቲ ምሁር ይዛረብ።
እንተኾነ፡ ንውሕ ንዝበሉ ዓመታት፡ እቲ ፌደሬሽን ጠንካራ ኮይኑ ትካላዊ መልክዕ ሒዙ ዝተዋህቦ ልኡኽ ብኣግባቡ ፈጺሙ ምባል ከምዘይከኣል ወሲኹ።
ብፍላይ፡ እዞም ታሕተዋይን ላዕለዋይን ኣካል ዝበሃሉ [ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ባይቶ ፌደሬሽንን]፡ ሓድሕዶም ስልጣን ዝቆጻጸርሉ ስርዓት ኣይተቐመጠን፤ ክልቲኦም ናይ ብዙሓት ድምጺ'ዮም ዘንጸባርቑ።
ግን ድማ ክልትኣዊ መንግስታዊ ርክባት ኣብ ሓደጋ ክወድቁ ከለው፡ እዚ ቤት ምኽሪ መጺኡ ናይ ምርጋእ ስራሕቲ ክሰርሕ ይግባእ- ይብል።
"እቲ ቐንዲ ልኡኹ'ውን፡ ናይ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓድነታዊ ስርዓት፡ ክገልጽን ከዐውትን እዩ ነይሩ። ካብ 1994 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ] ጀሚሩ ግን፡ ናብቲ ሐዚ ዘለዎ ደረጃ እናወረደ መጺኡ፡ ኣብ መወዳእታ ደጊምካ ናብ ዝፍተሸሉ ብርኪ በጺሑ ኣሎ።"
ንኣመራርሓ ትግራይን ኣመራርሓ ማእከላይ መንግስትን ከዋጥጡ ካብ ዝጸንሑ ጉዳያት ሓደ፡ ምንዋሕ መረጻ ዝምልከት ጉዳይ እዩ።
ነዚ ዘፍቅድ መገዲ ንምምችቻው ድማ፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ተሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ምንዋሕ መረጻ ግደ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያን፡ ወይዘሮ ኬርያ መዝነታ ክትገድፍ ቀንዲ ምኽንያት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
"ብሽፋን ትርጉም ሕገመንግስቲ፡ ነቲ ሕገመንግስታዊ ሕብረ-ብሄራዊ ፌደራላዊ ስርዓት ናብ ሓደጋ ዘውድቕን ናብ ምልካዊ ስርዓት ዘምርሕን ትርጉም ሕገመንግስቲ ክውሰን ንምግባር፡ ኣፈጉባኤ ባይቶ ፌደሬሽን ኮይነ ክመርሕ ኣይደልን፡ ኣይተሓባበርን'ውን" ክትብል እታ ኣፈ ጉባኤ ገሊጻ።
እዚ፡ እንታይ የመላኽት?
'መጀመርታ፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን፡ ሕጋዊ ትካል ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትካል ምዃኑ ብግልጺ ክቕመጥ ኣለዎ። እቲ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ዘሎ ምትፍናን'ውን ናይዚ ኣካል ኮይኑ ክውሰድ ይኽእል እዩ" ይብል ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ።
"ህወሓት ከም ውድብ ቅዋም ሒዙሉ ክኸውን ይኽእል'ዩ ኢልካ ምግማት ይከኣል።"
እቲ ናይ ሕገ መንግስቲ ጥሕሰት ዝብሃል፡ ቅድሚ ሕዚ ነይሩ፤ ሕዚ'ውን ኣሎ።
"ፍልይ ዝብል፡ እቲ ናይ ሕዚ ኣካይዳ ነቲ ሕገ መንግስቲ ክብሪ ዘይህብ፣ ንመሰል ብሄር ብሄረሰባት ዘይሕለቕ፣ ብሄር ብሄረ ሰባት ኢሉ ንምጽዋዕ ዝስከፍ ኣሃዳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ሓይሊ ምህላው'ዩ። ደረጃ እቲ ምጥሓስ ሕገ መንግስቲ ክርአ ከሎ ድማ፡ 'ላዕለዋይ ጠርዚ' ዝበጽሐ መስርሕ ምፍራስ ክብሃል ይከኣል። 'ምስ ከምዚ ዝበለ ሓይሊ ከመይ ኢልካ ሓቢርካ ትሰርሕ?' ብዝብል እተን ኣፈጉባኤ ዘቕረብኦ ምኽንያት ንዓይ ቕቡል'ዩ" ኢሉ።
እቲ ጉዳይ ስልጣን ናይቲ መንግስቲ ናይ ምንዋሕን ዘይምንዋሕን ዘይኮነ፡ ቅድም ኢሉ ብግልጽን ብሕቡእን እቲ ሕገ መንግስቲ ናይ ምጥሓስ፣ ምስትንዓቕ፣ ስልጣን ቤት ምኽሪ ሰልጣን ምሽርሻር ዝበሉ ጥሕሰታት ነይሮም እዮም ድማ ይብል።
ሓደ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰብ እንድሕር ዘይተመቺኡዎ ስልጣኑ ምግዳፍ ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን። ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ዝተለመደ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዝተለመደ ዋላ'ኳ ኣይኹን'ምበር ፤ ቅድም ኢሉ'ውን ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባ ዱላ ገመዳን ፕሬዝደንት ሙላቱ ተሾመ ገይሮምዎ'ዮም።
"ግን፡ እዚ ናይ ሕዚ ስልጣን ካብ ምልቃቕ ንላዕሊ ፖለቲካዊ ትርጉም ኣለዎ። እዚ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምፍራስ ሕብረ ብሄራዊ ስርዓት ፌደራሊዝምን ኣብ ሞንጎ ፌደራልን ትግራይን ዘሎ ምትፍናን ናብ ላዕለዋይ ጸፍሒ በጺሑ ምህላዩ የርእየካ።" ኢሉ።
"ካልእ ትግራይ ከም ክልል ወይ ህወሓት ከም ውድብ፡ ኣብ ፌደራል ዝኾነ ይኹን ውክልና ከም ዘይብሎምን በቲ ፌደሬሽን ዝሓልፍ ሕገ መንግስታዊ ትርጉም ንትግራይ ውክልና ከም ዘይብሉን ዘርኢ እዩ።
ድሕሪኡ፡ ትግራይ ኣብ መንግስቲ ፌደራል ዘለዋ ውክልና ናብ ባዶ በጺሑ ምባል ይከኣል እዩ፤ ብዓብይኡ ግን እቲ ናይ ሕገ መንግስቲ ቅልውላው ኣብ ልዑል ብርኪ በጺሑ ናበይ ኢና ንኸይድ ዘለና ኢልካ ክትሓትት ኣብ ዝገብር ደረጃ በጺሕና ከም ዘለና የርእየኒ" ኢሉ እቲ መኮነን ፍስሃ።
"እቲ ሕብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ኣብ ዓብዪ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ። ኩለን ክልላት ፈሪሰን፡ ትግራይ ጥራሕ ነዚ ስርዓት ክትሕለቕ ይርኣይ። ካልኦተን ሙሉእ ንሙሉእ ኣሃዳዊ ስርዓት ተቐቢለን እየን'ኳ እንተዘይተባህለ ተዓፊነን ግን ኣለዋ።"
ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ናይ ቃላት ኲናት ስለ ዝጸንሑ፡ ኣብዚ ሰዓት ድማ መንግስቲ ፌደራል የፈራርሕ ስለ ዘሎ፡ ናብ ሓበራዊ መንፈስ ናይ ምምጻእ ዕድሎም ጸቢብ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።
"ንዓይ ከም ዝርድኣኒ መንግስቲ ፌደራል እዚኦም ኩሎም ናይ ምግባር ዓቕምን ድልየትን የብሉን። ስለዚ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ውድባት ዘሎ ምትፍናን ርክባት ጠጠው ከብል ናብ ዘኽእል ዘብጽሕ ኮይኑ ይርኣየኒ። እቲ ኩነታት፡ ናብ ዝበኣሰ ኣንፈት የምርሕ ስለ ዘሎ ድማ፡ እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ምብትታን ከጋጥማ ከም ዝኽእል ግልጺ መርኣያ እዩ።" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።