ኣብ 2020 ዝነበሩ ዓበይቲ ፍጻመታት እንታይ እዮም?

ብዙሓት ሰባት 2020 ንዓለምናን ንህዝቢ ዓለምን በዳሂት ዓመት እያ ነይራ እናበሉ እዮም ዝገልጽዋ፡ በዳሂት ነይራ ካብ ዘብላ ቀንዲ ነጥብታት ድማ ጉዳይ ለበዳ ኮሮናቫይረስ እዩ።

እዛ ሎሚ ንዛዝማ ዘለና ዓመት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን'ከ እንታይ ዓበይቲ ፍጻሜታት ኣአንጊዳ? ቀቀንዱ ተናኺፍናዮ ኣለና።

ኮሮናቫይረስ

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ 2019 እዩ ጀሚሩ። እንተኾነ፡ ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኮሮናቫይረስ "ዓለማዊ ለበዳ እዩ" ኢሉ ዝኣወጀ ግን ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት 2020 እዩ ነይሩ።

እዚ ማለት ከኣ፡ እቲ ለበዳ ኣብ ብዙሓት ሃገራት የስፋሕፍሕ ምህላዉ ብወግዒ ዝተኣወጀሉ እዩ።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኮቪድ-19 ምኽንያት ሞት ልዕሊ 1.7 ሚልዮን ሰባት ክኸውን እንከሎ፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ልዕሊ 82 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተፈሊጡ'ሎ።

ብብዝሒ መልከፍቲ ኮነ ብብዝሒ ሞት፡ በዚ ቫይረስ ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት፡ ኣመሪካ፣ ህንድን ብራዚልን እየን።

ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን፡ ካብ'ቲ መልከፍትን ሞትን ኮነ ካብ'ቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዘውረዶ ሃስያታት ኣይደሓናን።

ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 120 ሽሕ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብምርመራ ክትረክብ ከላ፡ ልዕሊ 1,900 ሰባት ድማ ሞይቶምዋ እዮም።

ኤርትራ፡ ኣብ 2020 ውሑድ መዓልታዊ መልከፍቲ እናመዝገበት ዝመጸት'ኳ እንተኾነት፡ ኣብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ግን ልዑል መዓልታዊ መልከፍቲ ክተመዝግብ ምጅማራ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ወርሒ ሚያዝያ ምሉእ ዕጽዋ ብምእዋጅ ነቲ ለበዳ ከተውሕዶ ክኢላ እያ፡ እንተኾነ በቲ ኣቐዲሙ ዝተኣወጀን ኣብ ወርሒ ታሕሳስ'ውን ዝተረረን ዕጽዋን ህዝቢ ናብ ቁጠባዊ ጸገማት ተቃሊዑ ምህላዉ እዩ ዝንገር።

ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ጠቕላላ ቊጽሪ ብኮሮና ቫይረስ ዝተለኽፉ 1252 በጺሑ'ሎ፡ 643 ካብ'ዚኦም ሓውዮም ዝተፋነዉ፡ ሓደ ብሞት ዝተፈልየ፡ 608 ድማ ገና ኣብ ሆስፒታላት ተዓቚቦም ዝርከቡ'ዮም።

ብሓፈሽኡ ግን፡ ኣብ መወዳእታ 2020፡ እቶም ንነዊሕ እዋን ትጽቢት ዝተገበረሎም ክታበታት ክወሃቡ ብምጅማሮም፡ ሰባት ኣብ መጽእ ዓመት፡ ካብ'ታ በዳሂት ዓመት 2020 ተናጊፎም ንቡር መነባብሮኦም ከሳልጡ ተስፋ ሰኒቖም ኣለዉ።

ምንዋሕ መረጻ ኢትዮጵያ

ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ዝተናውሐ ኣብ መወዳእታ ወርሒ መጋቢት 2020 እዩ ነይሩ።

ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ፡ እቲ ምርጫ ብምኽንያት ስግኣት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ ዘይተፈለጠ እዋን ከም ዝተናወሐ እዩ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ወርሒ ሰነ 2020፡ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ኣብያተ ምኽሪ ፌደራልን ክልላትን ስርሖም ክቕጽሉ ወሲኑ።

በዚ ኣቢሉ ድማ ንስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣናዊሑ።

ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ውድብ ህወሓት ግን ነዚ ውሳነ ብምቅዋም፡ ኣብ'ቲ ንሱ ዝመርሖ ክልል መረጻ ከካይድ ምዃኑ ኣብ'ቲ እዋን ኣፍሊጡ።

ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝተኻየደ ምርጫ ዘይሕጋዊ ክብል ነጺግዎ።

ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ 25 ታሕሳስ 2020 ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሻዱሻይ ሓፈሻዊ ምርጫ፡ ድምጺ ዝወሃበሉ ዕለት 28 ግንቦት 2013 ዓ.ም (ኣ.ኢ) ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ከተማታ ኣዲስ ኣበባን ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋን፡ ድምጺ ዝወሃበሉ ዕለት ድማ 5 ሰነ 2013 ዓ.ም ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

ቅትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ

ውሩይ ኢትዮጵያዊ ስነ-ጥበባዊ ቋንቋ ኦሮሞ፡ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሰነ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጥይት ምስተቐትለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮምያን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ተቓውሞታት ተወሊዖም።

ኣብ'ዞም ተቓውሞታት ድማ ብዙሓት ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን።

እቲ ውሩይ ሙዚቀኛ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወረዳ 4፡ ፍሉይ ስሙ ገላን ኮንዶሚንየም ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተቐትለ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ'ቲ እዋን ኣፍሊጡ።

ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ቅድሚ ቅትለቱ ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ብዛዕባ ሃጸይ ሚኒሊክ ኣመልኪቱ ብዝሃቦ ርእይቶ ኣዘራራቢ ኮይኑ ቀንዩ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ንዝጠርጠሮም ከምዝኣሰረ ገሊጹ ናብ ቤት ፍርዲ ኣቕሪብዎም እዩ። ዛጊት ግን፡ ብቕትለት እቲ ድምጻዊ ዝተፈርደ ሰብ የለን።

ድሕሪ ሞት ሃጫሉ ሁንዴሳ ምስ ዝተልዓለ ናዕቢን ተቓውሞታትን፡ ፍሉጣት ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን ዝተኣሰሩ ኮይኖም፡ ዛጊት ኣይተፈትሑን ፍርዲ'ውን ኣይተውሃቦምን።

ጃዋር መሓመድ ዝመርሖ ዝነበረ፡ ቤት ጽሕፈት ቴሌቪዥን ኦኤምኤን ኣብ ኣዲስ ኣበባ'ውን ተዓጽዩ።

መረጻ ትግራይ

ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ከምዝተናውሐ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ምስገለጸ ኮነ፡ ባይቶ ፌደሬሽን ኢትዮጵያ ንዕምሪ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ባይቶታትን ምስኣናውሐ፡ ውድብ ህወሓትን መንግስቲ ክልል ትግራይን ብግልጺ ተቓዊሞምዎ።

ኣብ መፈለምታ ወርሒ ግንቦት 2020 ዝተጋብአ ላዕለዋይ አካል ህወሓት ድማ፡ "ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ፡ ንለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ግምት ብዘእተወ መገዲ ኣብ ግዚኡ ክካየድ" ክብል ጸዊዑ።

እዚ እንተዘይኮይኑ ግና: ብክልል ደረጃ መረጻ ኣብ እዋኑ ንምክያድ፡ ኣብ ትግራይ ምድላዋት ክጅመር ከምዘለዎ ገሊጹ።

ድሕሪ'ዚ፤ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ፡ ባይቶ ክልል ትግራይ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ክልላዊ መረጻ ክካየድ ብምሉእ ድምጺ ውሳነ ኣሕሊፉ።

ብ 06 ሓምለ 2020፡ ባይቶ ትግራይ፡ ኮሚሽን መረጻ ኣቑሙ ሕጊ መረጻ ድማ ኣጽዲቑ።

ኣብ'ቲ መረጻ ውድባት ህወሓት: ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ: ሳልሳይ ወያነ ትግራይ: ውድብ ናጽነት ትግራይን ዴሞክራስያዊ ውድብ ዓሲምባን ከምኡ ድማ 4 ውልቀሳባት ከምዝወዳደሩ ወግዓዊ ኮይኑ።

ካብ 21 ነሓሰ 2020 ጀሚሩ ንትሸዓተ መዓልተት ምዝገባ መረጽቲ ተኻይዱ። ኣብዚ ናይ ምዝገባ ግዜ፡ ልዕሊ 2.75 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተመዝገበ ተገሊጹ።

እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይደለዮን ዘይተቐበሎን፡ ብሕንጋደ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ መረጻ፡ ኣብ 9 መስከረም 2020 እዩ ተኻይዱ።

ኣብ'ዚ መረጻ ኸኣ፡ ውድብ ህወሓት ብዓብላሊ ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ።

ምክያድ እዚ መረጻ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልል ትግራይን ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝነበረ ምትፍናን ከምዘጋደዶ ይግለጽ።

ቅለውላው ትግራይ

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገ መንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ጸኒሖም።

እቲ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ ሃገራዊ ምርጫ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምንውሑ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ናብ ዝኸፍአ ደረጃ በጺሑ።

ምንዋሕ ናይቲ ምርጫ ዝተቓወመ ህወሓት፡ ኣብ ትግራይ ክልላዊ ምርጫ ንምክያድ ብዝወሰዶ በይናዊ ውሳነ መሰረት፡ ናይ ባዕሉ ኮሚሽን ምርጫ ብምቛም ኣብ መጀመርታ መስከረም ምርጫ ኣካይዱ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፈደራል ብወገኑ፡ እቲ ምርጫ "ዘይሕጋዊ" ምዃኑ ብምግላጽ፡ ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍልጦ ከምዘይህቦ ኣዊጁ።

መንግስቲ ክልል ትግራይ ብወገኑ፡ ድሕሪ መስከረም፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ስልጣኑ ዘብቀዐ'ዩ ብምባል ኣፍልጦ ነፊግዎ።

ቤት ምኽሪ ፈደሬሽን ኢትዮጵያ'ውን፡ ንመንግስቲ ክልል ትግራይ ኣፍሪሱ ካልእ መንግስቲ ከምዘቕውም ብምግላጽ፡ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሸይሙ።

መራሕቲ ክልል ትግራይ ግን፡ ነዚ ውሳነ "ክፍጸም ዘይክእል ሕልሚ ቀትሪ" ክብሉ ነጺጎምዎ።

3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ወተሃደራዊ ጎነጽ ኣምሪሖም።

ዶክተር ኣብይ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን ዝተወስደ ስጉምቲ ብምኹናን፡ ሕጊ ንምኽባር ብዝብል ወታሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ኣዚዙ። ኣብ ትግራይ ዝጸንዕ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ህጹጽ ግዘ'ውን ኣዊጁ።

ብሰንኪ'ቲ ጎንጺ፡ ብዓሰርተታት ኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት፡ ቤት ንብረቶም ገዲፎም ዶብ ሰጊሮም ናብ ሱዳን ክስደዱ ተገዲዶም ኣለው።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሕዳር፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንከተማ መቐለ ድሕሪ ምቁጽጻሩ እቲ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኩናት ከምዝብቀዐ ኣዊጁ።

እንተኾነ፡ ነዚ ኢሉ ምስኣወጀ ድሕሪ ሓደ ወርሒ'ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ትግራይ ገና ውግኣት ይቕጽል ምህላዉ እዩ ዝግለጽ።

ደብዳብ ኣስመራ

ሓለፍቲ ህወሓት ኣብቲ ኵናት ኤርትራ ሰራዊታ ተሳትፍ ኣላ ብምባል ናብ ኣስመራ ተደጋጋሚ ናይ ሚሳኤል መጥቃዕትታት ኣካይዶም።

መንግስቲ ኤርትራ ግን ብዛዕባ እቲ ሚሳይል ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃበን።

ነቲ ናይ ህወሓት ክሲ ድማ “ፕሮፓጋንዳ’ዩ” ክብል ይገልጾ። ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘሓወሰት ድማ ትገልጽ።