ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝሳቐዩ ኢትዮጵያውያን፡ መንግስቲ ናብ ዓዶም ክመልሶም ይምሕጸኑ

ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእስርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ከቢድ ስቓይ ከምዝርከቡን ግፍዕታት ከምዝፍጸሞምን ብምግላጽ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ተማሕጺኖም።

ኣብ ጅዳ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ንቢቢሲ ክዛረብ እንከለዉ፡ ፖሊስ ብቐጻሊ ከምዝቕጥቅጦም፣ እኹል ምግቢ ከምዘይረኽቡን ዓሪቖም ምህላዎምን ገሊጾም።

እዞም ‘ናብ ሃገርና ምለሱና’ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ኣብ ስዑዲ ካብ ዝርከብ ቆንስል ኢትዮጵያ መጺኡ ዝሓተና የለን ይብሉ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ብዝብል ሓደ ቅጥዒ መሊኦም እኳ እንተነበሩ፡ ድሕሪኡ ግን ዘዛረበና ሰብ የለን ይብሉ።

ውሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዲና ሙፍቲ ብወገኑ፡ በብሰሙኑ ካብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኩዌትን ሊባኖስን ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ይምለሱ ምህላዎም ብምግላጽ፡ እቶም ሕዚ ኣብ ማእሰርቲ ዘለዉ ድማ ኣብ ከይዲ ግዜ ናብ ሃገሮም ክምለሱ እዮም ኢሉ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ጽርግያታት ሊባኖስ ዝተደርበያ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት

ካብ የመን ናብ ስዑዲ ምስሰገረ ተታሒዙ ከምዝተኣሰረ ዝገልጽ ጀማል “ክዳን የብልናን፡ ናብ ዓድና ክመልሱና እዮም ብዝብል ምግቢ ኣይንበልዕን ክንብል እንከለና፡ ወተሃደራት እናመጹ ይቕጥቅጡና” ይብል።

“ብቕድሚ ትማሊ፡ ብሓደ እግርና ደው ኣቢሎም እናቐጥቐጡና ኣርፊዶም። ድሕሪኡ ክንበልዕ ተገዲድና። እቲ ዝህቡና ምግቢ’ውን ኣይረብሕን። ከምዘይንሞትን ከምዘይንሓውን ኮይንና ኣለና” ኢሉ።

ኣብ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ካልእ ኢትዮጵያዊ ኣሚን ድማ፡ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ከምዝደሊ እዩ ዝገልጽ።

“ተስፋ ቆሪጽና ኢና” ዝብል ኣሚን፡ ሕሙማት ናብ ሕክምና ክወስዱ እንትሓቱ’ኳ ብሓለውቲ ናይ’ቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝቕጥቀጡ እዩ ዝገልጽ።

ናብ ዓዶም ክመልስዎም እንትሓቱ ድማ “መንግስትኹም ኣይደልየኩምን” ዝብል ዘሕዝን መልሲ ከምዝህብዎም ይዛረብ።

ጀማል፡ ቅድሚ ናብ ጅዳ ምምጸኦም ኣብ ሪያድን ካልእ ቦታን ተኣሲሮም ምበባሮም እዩ ዝገልጽ።

ኣብ ሪያድ ተኣሲሮም እንከለዉ “ምስ ሬሳ ውዒልና ንሓድር ነይርና። ሬሳ እኳ ዘይለዓለሉ እዋን ነይሩ። ሬሳ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ እዩ ዝለዓል ነይሩ። ሰብ ኾይናካ ምፍጣርካ ትጸልእ” ክብል ነቲ ዘሕለፍዎ ዘስካሕክሕ ኩነታት ይገልጽ።

ካልእ ካብ ዝእሰር ሾመንተ ወርሒ ከምዝኾኖ ዝገልጽ ኣማረ ድማ፡ ካብ ኢትዮጵያ ካብ ዝወጽእ ክልተ ዓመቱ ኾይንዎ።

ካብ የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ እንትሰግር፡ ጧይት ኣብ ዝበሃል ቦታ እዩ ተታሒዙ፥ ኣብ’ቲ ንሱ ተኣሲርሉ ዘሎ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ልዕሊ 100 እሱራት ከምዘለዉ ይዛረብ።

“ኣብ ሓደገኛ ኩነታት ኢና ዘለና። በብእዋኑ ፖሊስ ይቕጥቅጡና። ምግቢ’ውን ብግቡእ ኣይወሃበናን” ይብል።

ዝሓሸ ህይወት ከናድዩ ምስመሓዙቱ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝኸዱ ዝዛረብ ኣበራ ብወገኑ፡ ናብ ዓድና ምለሱና ክብል ይምሕጸን።

“ዝሓተና የለን፣ ዝርእየና የለን፣ ተዓጺና ተሪፍና” ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ገንዘብ እናኸፈለ ናብ ዓዱ ክምለስ ዝደሊ ዝብል ሕቶ ከምዝቐረበሎም ዝገልጽ ኣበራ፡ ገንዘብ ስለዘይብሎም ኣብ ማእሰርቲ ከምዝተረፉ ይዛረብ።

ንመሰል ሰባት ዝሕለቑ ዓለማዊ ትካላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ሂዩማን ራይትስ ዋችን፡ ቅድም ክብል ኣብ ዘውጽእዎም ጸብጻባት፡ ኣብ ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ምህላዉን ዝሞቱ’ውን ከምዘለዉ ከምዝሰምዑን ገሊጾም ነይሮም።

እቶም ትካላት፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ንኹነታት እቶም ስደተኛታት ከመሓይሽ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፍቓደኛ ንዝኾኑ ስደተኛታት ናብ ዓዶም ክመልስ ሓቲቶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ባይቶ ኣውሮጳዊ ሕብረት’ውን፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዞም ስደተኛተት ዝበጽሕ ግፍዕታት ከምዝኹንን ገሊጹ ነይሩ።

መግለጺ ቪድዮ, ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ የመን ከምዝተረስዑ ዓለምለኻዊ ትካል ስደተኛታት ገሊጹ