ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኢትዮጵያውያን ‘ጉዳዮም ብልዝብ ክፈትሑ ጸዊዓ’

ምንጪ ስእሊ, Eparchy of Keren
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ብዘሎ ኩነታት ከም እተሻቐልን፡ ውግእ ኣዕናዊ ብምዃኑ ብዝቐልጠፈ ክቋረጽን ብልዝብ ክፍታሕን ጸዊዓ።
እቲ "ሕጂ'ውን ንሰላም ንስዓባ!" ብዝብል ኣርዕስቲ ብካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤረትራ ተጻሒፉ ብሓሙስ ዝተዘርግሐ ደብዳቤ "ኣብ ጎረቤትና ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኵናት ኣዝዩ ከምዘሻቕለና ብዓብይ ሓዘን ክንገልጽ ንደሊ" ይብል።
እቶም ቅድሚ ሕጂ'ውን ተደጋጋሚ ናይ ሰላም መልእኽትታት ከመሓላልፉ ዝጸንሑ ካቶሊካውያን ጳጳሳት፡ "ውግእ ክትጅምሮ እዩ ቀሊል እምበር መዓስ ከምዝውዳእ ኣይፍለጥን እዩ" ብማለት ነቲ ውግእ ካብ ዘጓሃህር ነገር ምቑጣብ ከም ዘድሊ ሓቢሮም።
"ስለዚ እዚ ኣዕናዊ ውግእን ንዕኡ ዘጐሃህር ዘረባን ቃላትን ምእንቲ እግዚኣብሔርን፣ ምእንቲ ህዝብታትን ብዝቐልጠፈ ከቋርጽ፣ ነቲ ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳያት ከኣ ኮፍ ኢልካ ተላዚብካ ክፍታሕ ደጋጊምና ንጽውዕ" ብምባል ምእመናን ኣብ ጸሎትን ምህልላን ክጽመዱ ሓቲቶም።
እቶም በብእዋኑ ናይ ሰላም መልእኽቲ ዝዝርግሑ፡ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኤርትራ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ብዝምልከት ዝተፈላለየ ጽሑፋት ክዝርግሑ ጸኒሖም እዮም።
ብፍላይ እቲ ኣብ 2014 "ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?" ብዝብል ኣርእስቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጽንኩር እዋን ነንሓድሕዱ ክደጋገፍን፡ ዝምልከቶም ኣካላት ጸገማት ህዝቢ ኣብ ምፍታሕ ብዝከኣሎም ክጽዕቱ ዝጽውዕ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን'ውን እቲ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተወልዐ ኲናት ደው ክብልን ዕርቀ ሰላም ክእወጅን መጸዋዕታ ኣመሓላሊፋ እያ።
'እቲ ኲናት ካብ ልክዕ ንላዕሊ ይጓሃሃር ኣሎ' ዝበለ እቲ ደብዳበ፡ እቲ ኲናት "ምፍራስ ሉዓላዊት ሃገር" ከኸትል ከም ዝኽእል ብምግንዛብ፡ መንግስታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ክልልን "ጉዳይኩም ብዝሰኸነ መንፈስ ብመኣዲ ዘተ ክትፈትሕዎ፡ ብስም ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ጻውዒትና ነቕርብ" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ሳዕቤኑ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ንኤርትራ ሓደገኛ ምዃኑ ብምግንዛብ መንግስቲ ኤርትራ "ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ናይ ሓንቲ ሉዓላዊትን ናጻን ሃገር ኢትዮጵያ ዘራይ ሓደ ወገን ኮይኑ ኢዱ ከየእቱ" ኣተሓሳሲቡ።
ህዝቢ ትግራይ "ሃገሩ ረመጽ ኮይናቶ መዕቆቢ ንዝሰኣነ መንእሰይ ኤርትራ፡ ዘዕቆበን ዝሓብሓበን ህዝቢ'ዩ" ዝበለ እቲ ደብዳበ "ኣብ ግዜ ሽግሩን ጸገሙን ረዳእትን መለስቲ ሞሳን" ምዃን የድሊ ኢሉ።
ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክግበረሎምን ኣብ ውሑስ ቦታ ንኽዕቆቡ ድማ ናብ መንግስታት ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ዝተጋህሰ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ ከምዘካይድ ዝገልጽ ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕጊ ንዝጠሓሱን ሰላም ንዝዘረጉን ውሕዳት ኣባላት መሪሕነት ህወሓትን ወተሃደራዊ ዕላማታትን ዘነጻጸረ ስጉምቲ ይወስድ ከምዘሎን እቲ ስርሒት ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑን እዩ ዝሕብር።
ስብአዊ ቅልውላው
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንግስቲ ፈደራልን ሓይልታት ክልል ትግራይን ተወሊዑ ዘሎ ኵናት መዓልታዊ ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ሰባት ናብ ሱዳን ይሰግሩ ምህላዎም ጸብጻባት ይገልጹ።
በቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣስታት 36,000 ሰባት ካብቲ ናይ ኵናት ዞባ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ከምዝኣተዉ ሱዳን ሓቢራ ኣላ።
ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እቲ ከባቢ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ገሊጹ።
ሕቡራት ሃገራት፡ ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝፈናቐሉ ዘለዉ ዕጽፍታት ናይቶም ናብ ሱዳን ዝስደዱ ዘለዉ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊጹ። ናብ ትግራይ ከእትዎም ዝኽእል መስመራት ስለዝተዓጽወ እቲ ተጻባይ ረድኤት ስደተኛን ህዝብን ኣብ ጸገም ከምዘሎ ኣመልኪቶም።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







