ኩነታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዘለዉ ኢትጵያውያን ዘስካሕክሕ እዩ- ኣምነስቲ

ኣምነሰቲ ኢንተርናሽናል፡ ኣተሓሕዛ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትጵያውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ኣብ ዘካየዶ መርመራ ዘስካሕክሕ ሓድሽ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ፡፡
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ተቓወምቲ የመን፡ ብኣሻሓት ንዝቑጸሩ ኢትጵያውያን ካብ የመን ስለዘባረርዎም፡ ናብ ስዑዲ ዓረብ ተሳጊሮም ንህይወቶም ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ከምዘለዉ ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ገሊጹ፡፡
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዘዘራረቦም ኢትዮጵያውያን፡ ከክልተ ሰብ ብመቑሕ ምእሳር፣ ኣብቲ ዝተኣሰሩሉ ክፍሊ ክሸኑ ምግባር፣ ን24 ሰዓታት ኣብ ዝተጨናነቐ ክፍሊ ክኾኑ ምግባር ሓዊሱ ሓሳረ መከራ ዝመልኦ ህይወት ይመርሑ ከምዘለዉ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ካብ ዝተፈላለዩ እሱራት ብዝረኸቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ሰባት ከም ዝሞቱ ጠቒሱ፡፡
ብተወሳኺ፡ ብሳልሳይ ወገን ከረጋግጾ ኣይከኣልኩን ብዝበሎ ሓበሬታ መሰረት ብውሑድ ናይ ኣርባዕተ ኢትዮጵያውያን ሞት ከም ዝሰመዐ ሓቢሩ፡፡
ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሕማም፣ ሕጽረት መግብን ማይን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ሕክምና ዘይምህላው፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ሓፍ ክብል ከምዝኽእል ገሊጹ፡፡
''ዝሓሸ ህይወት ንምንዳይ ዝወጹ እዞም ኢትዮጵያውያን፡ ንምሕሳቡ ዝኸብድ ጭካነ እዩ ዝገጥሞም ዘሎ፡፡ ካብቶም ኣብ ዝተጨነናቐ ኩነታት ብሕማምን ሞትን ተኸቢቦም ዘለዉ ሰባት፡ ብውሑድ እቶም ክልተ ነብሶም ከጥፍኡ ፈቲኖም እዮም'' ይብል ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ተመራማሪትን ኣማኻሪትን ጉዳይ ስደተኛታት ማሪ ፎሪስታየር፡፡
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ጥኑሳት፣ ህጻናትን ቆልዑን ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ዝሞቱ ህጻናት ምህላዎም ከምዝሰምዐት ተዛሪባ፡፡
''ተወሰኽቲ ስደተኛታት ቅድሚ ምሟቶም፡ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ኩነታት እቲ ቤት ማእሰርቲ ከመሓይሹን፡ ብጅምላ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኩሎም ስደተኛታት ብቕልጡፍ ክፈትሑን ንሓትት'' ኢላ፡፡
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ እቶም ስደተኛታት ተዓቑቦምሉ ዘለው ቦታ ብግዝያውነት ከመሓይሽ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድፍኢት ክገብርን ናብ ዓዶም ክምለሱ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ዜጋታት ድማ ብቕልጡፍ ናብ ሃገሮም ዝምለስሉን ናብ ማሕበረሰቦም ዝሕወሱሉን መገዲ ከናዲ እታ ተመራማሪት ትጽውዕ፡፡
ኩነታት እቶም ስደተኛታት ንምርዳእ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ሓምለ ክሳብ ነሓሰ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ 12 ኢትዮጰያውያን ብምዝራብ ብዝተፈላለየ መልክዑ ዝተረጋገጹ መረዳእታታት ከምዝኣከበ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ገሊጹ፡፡

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ቢቢሲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ስዑዲ ዝርከቡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ብምዝርራብ ብተመሳሳሊ ሓበሬታ ከምዘወጽአ ይዝከር፡፡
ብተመሳሳሊ፡ ካልኦት ብዙሓት ማዕኸናት ዜና ዓለም፡ ብዛዕባ እቶም ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ዘለዉዎ ኩነታት ኣመልኪቶም ምስ ጸብጸቡ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ትካላትን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ተቓውሞ ኣስሚዖም እዮም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ጉዳይ እቶም ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ዘለዉ ዜጋታቱ፡ ጸብጻባት ቅድሚ ምውጸኦም ኣትሒዙ ይከታተሎ ከምዝነበረ እትገልጽ ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወ/ሮ ጽዮን ተኽሉ፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ዘለውሉ ዘተሓሳስብ ኩነታታ ጸብጻባት ምስ ወጽኡ ድማ እቲ ጉዳይ ንሰበስልጣን ስዑዲ ብምሕባር ድሕነቶም ክሕሎ ካብ ምሕታት ዓዲ ውዒሎም ከምዘይፈልጡ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡
ኣብዚ እዋን ድማ ''ኣብ መጽንሒ ስደተኛታት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብዝምልከት መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ብቐረባ ይዘራረብ ኣሎ'' ኢላ፡፡
ብተወሳኺ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዘለዉዎ ድሕነቶም ተሓልዩ ክጸንሑን ቀስ ብቀስ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ይስራሕ ከምዘሎን ብምጥቃስ፡ ህጻናትን ቆልዑ ዘለዉወን ኣዶታትን ትሕቲ 18 ዓመት ንዝኾኑን ቀዳምነት ብምሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ቁጽሮም ውሑድ ዘይበሃሉ ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከም ዝተመለሱን፡ ሕጂ'ውን ከምዝቕጽልን ገሊጻ፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







