ኢትዮጵያ ኣብ ቀረጽ ፍርያት መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያትን ዳይፐርን ምምሕያሽ ገይራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚንስትሪ ገንዘብ ኢትዮጵያ፡ መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያት (ሞዴስ) ከምኡ’ውን መሕለዊ ጽርየት ቆልዑ (ዳይፐር) ኣብ ዝነበረ ቀረጽ ክለዓል ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።
ነቶም ውጽኢታት መናጽሂ ዘፍርዩ ፋብሪካታት ንፍርያቶም ኣብ ዘድልይዎም ካብ ደገ ዘኣትዉ ናውቲ ዝነበረ ቀረጽ ክለዓል ከምዝተወሰነ እቲ ሚንስተር ኣፍሊጡ።
ብዘይካ’ዚ እቶም ንደቂኣንስትዮን ህጻናትን ዘገልግሉ መናጽሂ ኣብ ደገ ፈርዮም ክኣትዉ ከለዉ ዝኽፈል ዝነበረ 30 ሚእታዊት ዝለዓለ ቀረጽ ናብ 10 ሚእታዊት ክንኪ ተገይሩ’ሎ።
ብፍላይ መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኽፈርዩን ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ንኽተባብዑን ምምሕያሽ ቀረጽ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
እቲ ውሳነ፡ ደቂኣንስትዮ ነቲ መናጽሂ ብቐሊሉ ክረኽባ ብምግባር ምስ ወርሓዊ ጽግያ ብዝተሓሓዝ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ንከየብኩራን ኣብ ስራሕ ኮነ ቤት ትምህርቲ ስነልቦናዊ ጸቕጢ ከይገጥመን ከምዝሕግዝ’ውን ተገሊጹ።
ምስ ቀረብ መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያ ብዝተሓሓዝ ዝተገበሩ መጽናዕቲታት ከምዘመልክትዎ፤ ብምኽንያት ምኽባር ዋጋን ጸገም ቀረብን ዝበዝሓ ደቂኣንስትዮ ኣብ ገዛ ዝዳለዉ መናጽሂ እየን ዝጥቀማ።
እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ገጠራት ዝነብራ ደቂኣንስትዮ ካብ ትምህርትን ሓፈሻዊ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳትን ክገደባ ዝገብር ኣሉታዊ ጽልዋ የሕድረለን።
ኣብ መሰላት ደቂኣንስትዮ ዝነጥፋ ማሕበራት፣ ትካላትን ውልቀሰባትን ከኣ ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ደቂኣንስትዮ ንምትብባዕ፤ መንግስቲ ንዋጋ መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያ ብዝለዓለ መጠን ዝንክዩ ስጉምትታት ክወስድ ንዓመታት ክጉስጉሱ ጸኒሖም’ዮም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ሸሞንተ ፋብሪካታት መናጽሂ ወርሓዊ ጽግያት ከምዝርከባ ሚንስትሪ ገንዘብ ኣመልኪቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







