እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ናብ መላእ ዓለም ይላባዕ ኣሎ ተባሂሉ
ህንድን ፓኪስታንን ነቲ ፈለማ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኽበ፡ ልዑል ናይ ምምሕልላፍ ተኽእሎ ዘለዎ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ድሒ ዝተራእየለን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።
ኣብ ወደባዊት ከተማ ካራቺ ሰለስተ ሰባት እቲ ቫይረስ ከም ዝተረኽቦም ሰብ መዚ ጥዕና ዞባ ሲንድ ፓኪስታን ክገልጹ እንከለው፡ ህንዲ'ውን 6 ሰባት ከም ዝረኸበት ሓቢራ።
ኩላቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ብሪጣንያ ከም ዝተመልሱ እተን ሃገራት ሓቢረን። ምስኦም ርክብ ዝነበሮም ሰባት ይድለዩ ከም ዘለው'ውን ገሊጸን።
ፓኪስታን፡ እቲ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተረኽበ ካብን ናብን ብሪጣንያ ኣብ ዝግበር መገሻ ቀይድታት ካብ ዘንበራ ብርክት ዝበላ ሃገራት እያ።
እንተኾነ ግና ኣብ ብሪጣንያ ገይሾም ዝነበሩ ዜጋታታ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወረቐት ብምሓዝ ክምለሱ ኣፍቂዳ እያ።
ኣብዚ እዋን: እዚ ሓድሽ ዓይነት ቫይረስ ካብ 20 ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ተረኺቡ ኣሎ።
ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣብ ሆላንድ፡ ዴንማርክ፡ ፈረንሳ፡ ጥልያን፡ ስጳኛ፡ ስዊዘርላንድ፡ ሽወደን፡ ፊንላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ጀርመን፡ ኣይስላንድን ቤልጅዩምን ዝተራእየ ክኸውን እንከሎ: ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ድማ ኣብ ካናዳ ተረኺቡ።
ኣብ እስያ'ውን፡ ኣብ ጃፓን፡ ሲንጋፖር፡ ሆንግ ኮንግ፡ ህንዲ፡ ፓኪስታን፡ ደቡብ ኮርያን: ከምኡ'ውን ኣብ ኣውስትራልያን ተራእዩ ኣሎ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከኣ ኣብ እስራኤልን ሊባኖስን ተረኺቡ።