እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፈረንሳ ብሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ናይ ፈለማ ሰብ ረኺባ
ፈረንሳ ብሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ናይ ፈለማ ሰብ ከም ዝረኸበት ኣፍሊጣ።
እቲ ውልቀሰብ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ብሪጣንያ ዝመጸ ፈረንሳዊ ምዃኑ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።
እቲ ሕሙም ዝኾነ ምልክታ ትከም ዘይነበሮ ዝሓበረ እቲ ሚኒስትሪ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ገዝኡ ተወሺቡ ምህላው ኣፍሊጡ።
ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ብሪጣንያ ምስ ተረኽበ ብዙሓት ሃገራት ዶባተን ዓጽየን እየን።
ዶባታ ዓጽያ ዝጸንሐት ፈረንሳ፡ ነቶም ካብ ኮቪድ-19 ነጻ ምዃኖም ዘረጋገጹ ክኣትው ብምፍቓድ ካብ ረቡዕ ጀሚራ ነቲ ቀይዲ ኣልዒላቶ ኣላ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መራሕቲ ናይ ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ግን ንበዓል ልደት ኣብቲ ንፈንሳን ብሪጣንያን ዘራኽብ መትረብ እንግሊዝ ኣብ መኪንኦም ኮይኖም ከሕልፍዎ ተገዲዶም እዮም።
ካልኦት ሃገራት’ውን ነዚ ሓድሽ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ከም ዝረኸባ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
ጃፓን፡ ኣብ ሓሙሽተ ካብ ብሪጣንያ ዝመጹ ገያሾ ነቲ ቫይረስ ከም ዝረኸበት ክትሕብር እንከላ፤ ዴንማርክ ኣውስትራልያን ኔዘርላንድስን ኣቐዲመን ምርካበን ገሊጸን እየን።
ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ክሳብ ሕጂ እንፈልጦም 10 ነጥብታት
1፡ ኣብ ብሪጣኒያ ብፍላይ ድማ ኣብ ሎንደንን ከባቢአን ክሳብ ሎሚ ተራእዩ ዘይፍለጥ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ብምርመራ ተረኺቡ። ኣብ ብዙሓት ዝሓመሙ ሰባት ዝርከብ ዘሎ ድማ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ እዩ።
2፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ነቶም ካልኦት ዓሌታት ኮሮናቫይረስ እናተከአ ኣብ ምስፍሕፋሕ ከምዝርከብ ይግለጽ ኣሎ።
3፡ እዚ ዓሌት፡ ንርእሱ ዘራብሓሉ መገዲ ዝተፈለየ ብምዃኑ ንምቁጽጻሩ ከየጸግም ስግኣት ኣሎ። ካብ ናይ መተንፈሲ ኣካላት ወጻኢ ንዘለዉ ዋህዮታት'ውን ቅርጹን ብህሪኡን እናለወጠ ከጥቀዖምዶ ይኸውን ዝብል ስግኣት'ውን ፈጢሩ'ሎ።
4፡ እዚ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ መስከረም እዩ ተረኺቡ። ኣብ ጥቅምቲ፡ ኣብ ከተማ ሎንደን ኮሮናቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት እቶም ሓደ ሲሶ፡ በዚ ሓድሽ ዓሌት ዝተጠቕዑ እዮም ነይሮም። ኣብ ታሕሳስ ድማ፡ ካብቶም ብኮሮናቫይረስ ዝሓመሙ እቶም 75 ሚኢታዊት በዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ምዃኖም ተፈሊጡ።
5፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ብቀዳም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ምስ'ቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ክነጻጸር እንከሎ፡ ናይ ምልባዕ ዕድሉ ብ 70 ምኢታዊት ዝቐልጠፈ እዩ ኢሉ።
6፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኣብ ከይዲ ድዩ ንርእሱ ቀይሩ ወይ ካብ ካልእ ቦታ መጺኡ ዝብል ንግዚኡ ኣይተፈልጠን ዘሎ።
7፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ምሉእ ብሪጣንያ ይዝርጋሕ እኳ እንተሃለወ፡ ኣብ'ዚ እዋን ግን ኣብ ከባቢ ሎንዶን እዩ ብብዝሒ ዝረኣይ ዘሎ። ብተወሳኺ ድማ፡ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ኢንግሊዝን'ውን ይረኣይ ኣሎ።
8፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ካብ ብሪጣንያ ናብ ዴንማርክን ኦውስትራሊያን'ውን ከምዝተላበዐ ተገሊጹ'ሎ። ኔዘርላንድን ጣሊያንን'ውን እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ከምዝኣተወን ኣረጋጊጸን ኣለዋ።
9፡ እዚ ዓሌት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ'ውን ተራእዩ'ሎ እኳ ተባሂሉ እንተነበረ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተርኣየ ምስ'ቲ ኣብ ብሪጣንያ ዝተረኸበ ብዓሌት ኣይመሳሰልን'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
10፡ እዚ ሓድሽ ዓሌት ኮሮናቫይረስ፡ ንርእሱ እናለወጠን እናራበሐን ከምልጥ ዝፍትን'ኳ እንተኾነ፡ እቶም ሕዚ ናብ ዕዳጋ ዝኣትዉ ዘለዉ ክታበታት ግን ከጥፍእዎን ክከላኸሉዎን ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣሎ።
ምስ'ዚ ሓድሽ ዓሌት ተዛሚዶም ዝለዓሉ ዓበይቲ ሕቶታት
ኮሮናቫይረስ፡ ቅድሚ ሕጂ ካልእ ዓሌታት ነይሩዎ'ዶ?
እወ! እቲ ሕዚ ኣብ ምሉእ ዓለም እንረኽቦ ዓይነት ኮሮናቫይረስ፡ ምስ'ቲ ኣብ ከተማ ውሃን ፈለማ ዝተረኸበ ዓሌት ኮሮናቫይረስ ሓደ ዓይነት ኣይኮነን። እቲ ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት ኤውሮጳ ዝርከብ ዓሌት ኮሮናቫይረስ D614G ዝበሃል እዩ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ካበይ እዩ መጺኡ?
ኮሮናቫይረስ ንርእሱ እናለወጠ ክመጽእ ይኽእል እዩ።
እቲ ዝወሃብ ዘሎ ግምት፡ እቲ ቫይረስ፡ ድኹም ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ካብ ዘለዎ ሕሙም፡ ንርእሱ ቀይሩ ዝተበገሰ ክኸውን ከምዝኽእል እዩ። ሓደ ሕሙም ነቲ ቫይረስ ክስዕሮ ምስዝስእን፡ ኣካላቱ ከም መራብሒ ኮይኑ ከገልግል ይኽእል እዩ።
እዚ ሓድሽ ዓሌት ዝያዳ ቀታሊ ድዩ?
ዛጊድ ብዛዕባ'ዚ ዝተፈልጠ ነገር የለን። ገና ክጽናዕ ኣለዎ። ንግዚኡ ዝተፈልጠ ነገር እንተሎ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ናይ ምሕላፍ ተኽእሎኡ ዝያዳ ቅልጡፍ ምዃኑ እዩ።
ናብ ብዙሓት ሰባት ዝዝርጋሕ እንተኾእኑ ኸኣ፡ ብዙሓት ሰባት ክሓምሙ እዮም ማለት እዩ። እዚ ማለት ድማ ብዘይቀጥታዊ መገዲ'ውን እንተኾነ ሞት ይውስኽ ኣሎ ማለት እዩ።
እቶም ዝተረኸቡ ክታበታት ነዚ ሓድሽ ዓሌት ይከላኸሉዎ ዶ?
እቶም ክታበታት ነዚ ሓድሽ ዓሌት'ውን ክከላኸልዎ ከምዝኽእሉ እዩ ዝግለጽ። እቲ ሓድሽ ዓሌት ንርእሱ እናለወጠን እናራበሐን ከምልጥ እኳ እንተፈተነ፡ ካብዞም ክታበታት ግን ከምልጥ ኣይክእልን ይብሉ ተመራመርቲ።