ኣብ ታሪኽ ኣሜሪካ እቲ 'ዝሓሰመ ሓደገኛ ቀታሊ' ከምዝሞተ ተገሊጹ

ሳምኤል ሊትል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፌደራላዊ ቤትጽሕፈት መርመራ ኣመሪካ (ኤፍ-ቢ-ኣይ) ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ እቲ 'ዝሓሰመ ሓደገኛ ቀታሊ' ዝበሎ ሳሙኤል ኢትል ኣብ መበል 80 ዓመቱ ከምዝሞተ ተሓቢሩ።

ሳሙኤል ሊትል፡ ትማሊ ሮቡዕ ኣብ ግዝኣት ካሊፎርና ኣብ ርከብ ሆስፒታል ከምዝሞተ ተገሊጹ።

ንሱ፡ ብቕትለት ሰለስተ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኣብ 2012 ንሕልፈት ንኽእሰር ተፈሪዱ ኣብ ማእሰርቲ እዩ ነይሩ።

ብመሰረት ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ ኣሜሪካ፡ ሳሙኤል ሊትል፡ ካብ 1970 ክሳብ 2005 ልዕሊ 93 ደቂ-ኣንስትዮ ከምዘቐለተ ኣረጋጊጹ።

መብዛሕትአን ግዳያት ሳሙኤል፡ ካብ ማሕበረሰብ ዝተገለላን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይነን፡ ኣብ ናይ ምንዝርና ስራሕ ዝዋፈራን ብወልፊ ሓሺሽ ዝተጸመዳን ከም ዝነበራ ይግለጽ።

ሳሙኤል ተጓሳጣይ ብምንባሩ፡ ንግዳያቱ ቅድሚ ብገመድ ምሕናቑ፡ ብማህረምቲ ሃለዋተን ከምዝስሕታ ይገብረን ምንባሩ'ውን መርመርቲ ይሕብሩ።

ገለ ካብተን ዝሞታ፡ ብኣባላት ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት መርመራ (FBI) ክሳብ ሎሚ ብግቡእ መርመራ ከይተገብረለን ከምጸንሓ ይግለጽ። ናይ ገሊአን ሬሳታት'ውን ክሳብ ሕጂ ከምዘይተረኽበ እቲ ትካል ይሕብር።

ዝሓለፈ ዓመት እቲ ቤት-ጽሕፈት ኣብዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሳሙኤል ዝተዋህበ ምስክረነት 'ሓቅነት' ከምዘለዎ ሓቢሩ ነይሩ።

ግዳያት ሳምኤል ሊትል

ምንጪ ስእሊ, FBI

መግለጺ ስእሊ, ገለ ካብተን ግዳያት ሳምኤል ሊትል

ሳሙኤል፡ ኣብ 2012 ሓሺሽ ኣዘዋዊርካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ከተማ ከንታኪ ተታሒዙ።

ናይ ዲ-ኤን-ኤ (DNA) መርመራ ምስተገብረ ድማ፤ ካብ 1987 ክሳብ 1989 ኣብ ከተማ ሎስኣንጀለስ ዝተፈጸሙ ዘይተፈትሑ ቅትለታት ሰባት ኢድ ከምዝነበሮ ተረጋጊጹ።

ሳሙኤል ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ። እንተኾነ፡ ሰለስተ ተኸታተልቲ ውሳነታት ማእሰርቲ ሕልፈት ተፈሪድዎ።