ሓደ ተሓካሚ ኮሮናቫይረስ፡ ንኻልእ ሕሙም ብገንኢ ኦክስጅን ቀጥቂጡ ቀቲልዎ

ኣብ ካሊፎርያ፡ ሓደ ብኮሮናቫይረስ ተታሒዙ ኣብ ሆስፒታል ኮይኑ ዝሕከም ዝነበረ ሕሙም፡ ንኻልእ ሓሚሙ ዝደቀሰ ተሓካሚ፡ ብገንኢ ኦክስጅን ቀጥቂጡ ከምዝቐተሎ ተሓቢሩ።

እዚ ጀሰ ማርቲነዝ ዝተባህለ ወዲ 37 ዓመት፡ እቲ ምስኡ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ዝነበረ ወዲ 82 ዓመት ተሓካሚ፡ ክጽሊ ምስ ጀመረ ከምዝተቖጠዐ ፖሊስ ከተማ ሎኣንጀለስ ገሊጹ።

ማርቲነዝ ነቲ ናይ ኦክስጅን ገንኢ ኣልዒሉ፡ ነቲ ዝጽልይ ዝነበረ ሰብኣይ ቀጥቂጡ ቀቲልዎ ድማ ተባሂሉ።

እቲ ግዳይ ንጽባሒታ ከምዝሞተን፡ እቲ ቀታሊ ድማ ብቐትለትን ጽልእን ተኸሲሱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

እዞም ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓቑቦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበሎም ከምዝነበረን፡ ቅድሚኡ ነንሕድሕዶም ከምዘይፋለጡን ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

‘’እቲ ጥርጡር፡ እቲ ዓቢ ሰብኣይ ክጽሊ ምስ ጀመረ ተቖጢዑ። ድሓር ብናይ ኦክስጅን ገንኢ ሃሪምዎ’’ ይብል ፖሊስ።

እቲ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ከምዘሎን፡ ብቐትለት፡ ጽልኢ ከምኡ’ውን ዕድመ ንዝደፍአ ሰብ ብምግፋዕን ተኸሲሱ ከምዘሎ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ሆስፒታላት ካሊፎርንያ፡ እታ ግዝኣት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙን ጥራይ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ድሕሪ ምልካፎም፡ ኣብ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ከምዘሎ ይግለጽ።

ኣብ ካሊፎርንያ፡ ዛጊት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም ኣለው። እታ ግዝኣት ተወሰኽቲ ከባቢ 3000 ሰብ ሞያ ሕክምና ጠሊባ ኣላ።

ኣማሓዳሪ ካሊፎንያ፡ ዶ/ር ማርክ ግላይ፡ ብዛይካ እቶም ኣገደስቲ ዝበሎም ስራሓት፡ ካልእ ኩሉ ተዓጽዩ ክጸንሕ ኣዚዙ’ሎ።