ኣብ ማርሻል ኣይላንድስ 80 ሚልዮን ዶላር ዋግኡ ዋና ዘይብሉ ሓሽሽ ተረኺቡ

ደሴታት ማርሻል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፖሊስ ማርሻል ኣይላንድ፡ ኣብ ገምገም ሓንቲ ደሴት ጥሒላ ኣብ ዝጸንሓቶም ጃልባ ልዕሊ 640 ኪሎ ዝመዘን ሓሺሽ ምርካቦም ሓቢሮም።

ከም ግምት ፖሊስ እንተኾይኑ፡ እታ ጃልባ ካብ ላቲን ኣመሪካ ተበጊሳ ብሰላማዊ ውቕያኖስ ክትሰግር ኣብ ዝፈተነትሉ ዝጥሓለትን ኣብ ባሕሪ ኣዋርሕ ዝገበረትን እያ።

እቲ ብፖሊስ ማርሻል ኣይላንድ ዝተረኸበ ሓሽሽ 649 ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ ዋግኡ 80 ሚልዮን ዶላር ተገሚቱ ኣሎ።

ኣብ ማርሻል ኣይላንድ ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥም፤ ክንድዚ ክብደቱ ሓሺሽ ኣብ ሓደ ግዜ ክርከብ ግን እዚ ናይ መጀመርታ እዩ።

ፖሊስ እቲ ብሰሉስ ዝረኸብዎ ሓሺሽ፡ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ከረጺት ተዓሺጉ ከምዝጸንሖም ብምግላጽ ንተወሳኺ መርመራ ናብ ኣመሪካ ከምዝሰደድዎ ኣፍሊጦም።

ነታ 5.5 ሜትሮ ዝቑመታ ዝጠሓለት ጃልባ ኣብ ደሴት ኣይሉክ ዝርከቡ ነበርቲ እዮም ረኺቦማ። ካብቲ ዝጠሓለቶ ከውጽእዋ ኣብ ዝፈተንሉ ስለዝኸበደቶም ከኣ ሓገዝ ፖሊስ ሓቲቶም።

ፖሊስ መጺኦም ነታ ጃልባ ኣውጺኦም ኣብ ዝፈተሽሉ እዮም ነቲ ሓሽሽ ክረኽብዎ ክኢሎም።

ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ማርሻል ኣይላንድ ሪቻርድ ሂክሶን፡ እታ ጃልባ ኣብቲ ዝተረኸበቶ ቦታ ልዕሊ ዓመት ገይራ ክትከውን ከምእትኽእል ብምሕባር፡ ካብ ማእከላይ ደቡብ ኣመሪካ ዝመጽአት ክትከውን ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ገሊጹ።

ማዕበል ሰላማዊ ውቕያኖስ ክልዓል እንከሎ ናብ ገማግም ማርሻል ኣይላንድ ብዙሕ ጉሓፍ የምጽእ እዩ፡ ኣብቲ ጉሓፍ ቁጻራት ሓሺሽ ምርካብ’ውን ብተደጋጋሚ ዘጋጥም ተርእዮ’ዩ።

እቲ ላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ነቶም ነታ ጃልባ ምስ ርኣዩ ንሰብ መዚ ዝሓበሩ ነበርቲ እታ ደሴት ብምምስጋን ቅድሚ ሕጂ ሰባት ቁጻር ሓሽሽ ክረኽቡ እንከለዉ ብሕቡእ ይሸጥዎ ምንባሮም ሓቢሩ።

ኣብ 2014 ሓደ ካብ ኢል ሳልቫዶር ብጃልባ ዝተበገሰ ውለቀ ሰብ፡ ጃልባ ተባላሽያቶ 13 ኣዋርሕ ዓሳ እናበለዐን፡ ኣብ ጃልብኡ ዝዓለባ ጨራሩ እናተመገበን ከምዝሓለፎ ብምሕባር ናብ ደሴት ኢቦን ናይ ማርሻል ኣይላንድ ምእታዉ ዝዝከር እዩ።

ኣስታት 55,000 ነበርቲ ዘለውዋ ማርሻል ኣይላንድ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ሰሜን ካብ ኤኳቶር እያ ትርከብ።