እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ-19፡ ሃገራት ኣፍሪቃ ካልኣይ ለብዒ ኮሮናቫይረስ የንጸላልወን'ዶ ይህሉ?
ኣብ ኣፍሪቃ ወሰንቲ ኣብ ዝበሃላ ሃገራት መጠን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ይውስኽ ከምዘሎ ካብተን ሃገራት ዝወጽኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።
እዚ ድማ ኣብታ ኣህጉር ካልኣይ ለብዒ ከጋጥም ከም ዝኽእል ስግኣት ኣሕዲሩ'ሎ።
ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ፡ ናብዛ ኣህጉር "ካልኣይ ዙር ለብዒ ይመጽእ ምህላዉ" ክገልጽ ጀሚሩ'ዩ።
ቁጽርታት እንታይ ይሕብሩ?
ካብ መዛዘሚ ወርሒ መስከርም ክሳብ መእተዊ ጥቅምቲ ጀሚሩ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዝወሰኸ ካብተን ሃገራት ዝወጸውኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።
እዞም መረዳእታታት ከኣ ምስቶም ካብ ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ውድብ ጥዕና ዓለም ዝወጽኡ ሓበሬታታት ይሳነዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሪ ኣብታ ኣህጉር ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ እንተሪኢና፤ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰሙን ብማእኸላይ ገምጋም 3.5 ሚኢታዊት ወሰኽ ከም ዝነበሮ ንርዳእ።
ካብ ሃገር ናብ ሃገር ግን ኣፈላላያት ኣሎ።
ኣብ ገለ ሃገራት ዝተወሰነ ወሰኽ ኣብ ካልኦት ድማ ብተኸታታሊ ዝለዓለ ወሰኽ ክረኣይ ከሎ፤ ገለ ሃገራት ከኣ ዝተሓተ ዝርግሐ'ቲ ቫይረስ ይረኣየለን።
ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ሞንጎ ዝርከባ ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ደቡብ ኣፍሪቃ መዓልታዊ ካብ ዝተሓዙ ሰባት ነቲ 60 ሚኢታዊት ብጽሒት ትሕዝ።
ስለምንታይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ወሰኽ ተራእዩ?
ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ብዝሒ በቲ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ከም ዝነከየ ክገልጽ ዝጸንሐ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዛዕባ ካልኣይ ዙር ለብዒ ክዛረብ ጀሚሩ'ሎ።
ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ከምዝሕብሮ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብኮሮናቫይረስ ካብ ዝተሓዙ ዘለዉ ሰባት እቶም ዝበዝሑ ኣብ ክሊ ዕድመ 15 ክሳብ 19 ይርከቡ።
እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ድማ ኣብ ቀረባ እዋናት ዝተኸበሩ በዓላት ብምንባሮም ከምዝኾነ ይግለጽ።
ገሊኦም በዓላት ድማ ንመዛዘሚ እዋን ፈተናን ትምህርትን ምኽንያት ብምግባር ዝተዳለዉ እዮም።
ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ላዕለዋይ በዓል ሞያ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ፕሮፌሰር ሳሊም ዓብዱል ካሪም "ገለ መስተ ዝሸጡ ትካላትን ሰፋሕቲ ቦታታት ዘለዎም ንግዳዊ ትካላትን ምሸት ምሸት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዓማዊሎም ኣብ ሓደ የተኣናግዱ። እዚ ድማ ነቲ ዝተቐመጠ ገደብ ዝጥሕስ'ዩ" ክብል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ከምዝብሎ እንተኾይኑ ድማ ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዘጋጥም ሞት ብ19 ሚኢታዊት ወሲኹ'ሎ።
መንግስቲ ዝርግሐ እቲ ንምቁጽጻር ብዝብል ተወሰኽቲ ገደባት ዘቐመጠ ኮይኑ፤ መስተ ዝሽየጠሉ ሰዓታት ክግደብ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝርከቡ ማእኸላት መዘናግዒ ድማ ክዕጸዉ ገይሩ።
ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ
ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣብ ዝርከባ ሃገራት'ውን ክሳብ መእተዊ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝነበሩ ሰሙናት ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ወሰኽ ከምዝተረኣየ ይግለጽ።
ሞሮኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝለዓለ ሓድሽ መልከፍቲ ብምምዝጋብ ብቐዳምነት ክትስራዕ ኪኢላ ነይራ። ኣብዚ ሰሙን ግን እቲ ዝርግሐ እናነከየ መጺኡ'ሎ።
ኣብ ናይጀርያ፣ ግብጺ፣ ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ዩጋንዳን እውን ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ሰሙናት ወሰኽ ተመዝጊቡ'ዩ።
ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ድማ ዋላ'ኳ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምንካይ እንተተረኣየ፡ በቲ ቫይረስ ኣብ ዝልከፉ ሰባት ወሰኽ ተራእዩ ነይሩ።
ኣባል ማእኸል ምክልኻልን ምቁጽጻርን ሕማማት ኣፍሪቃ ጆን ንኬንጋሶን "ካልኣይ ዙር ለብዒ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍ ደገና በጺሑ'ሎ" ክብል ይገልጽ።
ኣብ ጥርን ለካቲትን ዝለዓለ ወሰኽ ከምዝረኣይን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ ዝነበሮ ደረጃ ከም ዝምለሰን ድማ ኣጠንቂቑ።
እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዘጋጠመ ሞት ምስ ናይ ካልኦት ኣህጉራት ክነጻጸር ከሎ ዝተሓተ እዩ።
ሰብ ሞያ ነዚ ከም ምኽንያት ዝብልዎም ከቐምጡ ከለዉ፤ እታ ኣህጉር ኣብ ዕድመ ንእስነት ዝርከቡ ዜጋታት ብብዝሒ ዝሓዘት ምዃና፣ ካብን ናብን ዝግበሩ መገሻታት ብምንካዮም ዝብሉን ካልኦትን ይዝርዝሩ።
ምርመራ ኮሮናቫይረስ ኣብ ኣፍሪቃ
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝብሎ እንተኾይኑ ኣፍሪቃ ኣብዚ ሕዚ እዋን እተካይዶ ምርመራ ዝተሓተ ቑጽሪ እዩ።
ደቡብ ኣፍሪካ፣ ሞሮኮ፣ ኢትዮጵያ፣ ግብጺ፣ ኬንያ፣ ናይጄሪያ፣ ካሜሮን፣ ሩዋንዳ፣ ኡጋንዳን ጋናን ከኣ ካብቲ ኣብታ ኣህጉር ዝግበር ምርመራ ነቲ 70 ሚኢታዊት ይሽፍና።
ኣብ ሞንጎ ሃገራት ምርመራ ናይ ምክያድ ዓቕሚ ኣፈላላይ ኣሎ።
ኣብ ኣፍሪቃ በመንጽር ዘለወን ብዝሒ ህዝቢ ዝለዓለ ቁጽሪ ምርመራ ካብ ዘካየዳ ሃገራት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ቅድሚት ትስራዕ።
ብኣንጻሩ እታ ዝለዓለ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ናይጀርያ ዝተሓተ መጠን ምርመራ ከም ዘካየደት ይግለጽ።
ብተወሳኺ ድማ ገሊኤን ሃገራት ብዛዕባ'ቲ ዘካየድኦ ምርመራ ኮነ ኣብ ውሽጠን ዘሎ ኩነታት ዝርግሐ ንምግላጽ ዘኽእለን ብቑዕን ዝተወደበን መረዳእታ የብለንን።