እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃብታም ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ልዕሊ ዓቐን ይዓቑራ ኣለዋ- ድኻ ሃገራትከ?
ሃብታም ሃገራት ክታበት ኮሮናቫይረስ ብብዝሒ ይዓቑራ ብምህላወን ኣብ ድኻ ሃገራት ዝነብሩ ህዝብታት ነቲ ክታበት ዝረኽቡሉ ዕድል ከይሰኣን ኣብዚ ጉዳይ ናይ ዝነጥፉ ግዱሳት ጥምረት ኣጠንቂቑ።
እቲ ጥምረት ከምዝበሎ፡ ኣስታት 70 ዝኾና ትሑት እቶት ዘለወን ሃገራት፡ ካብ 10 ሰባት ንሓደ ጥራይ ናይ ምኽታብ ዓድል እዩ ክህልወን።
እዚ ዝኸውን ድማ ዋላ’ቲ ብኦክስፎርድ-ኣልትራዜኔካ ካብ ዝፈሪ ክታበት እቲ 65 ሚኢታዊት ኣብ ዓበይቲ ሃገራት ናብ ዝርከቡ ህዝብታት ከምዝበጽሕ ዝተኣተወ መብጽዓ ግብራዊ እንተኾነ እዩ።
ዝርግሐ ክታበት ኮሮናቫይረስ ኣብ ምሉእ ዓለም ፍትሓዊ ንክኸውን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ይግለጽ።
‘ኮቫክስ’ ብዝብል ዝተወደበ ምንቅስቓስ ድማ ኣስታት 700 ሚልዮን ክታበት ናብ ትሑት እቶት ዘለወን 92 ሃገራት ከምዝበጽሕ ኣረጋጊጹ’ሎ።
እዚ ውጥን እንተሃለወ’ውን ግን፡ ንኹሉ ክበጽሕ ዝኽእለሉ ዕድል ስለዘይህሉ ኣፍረይቲ ትካላት ነቲ ክታበት ብብዝሒ ከፍርዩ ከም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፣ ኦክስፋምን ግሎባል ጀስቲስን ዝበሉ ዓለምለኻዊ ትካላት ጻውዒት የቕርቡ።
ሃብታም ሃገራት ንዜጋታተን ብተደጋጋሚ ከኽትብ ዝኽእል ኣዝዩ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ክታበት ይዕድጋ ምህላወን ዝሓበሩ እቶም ትካላት፡ ንኣብነት ካናዳ ነብሲ ወከፍ ዜጋ ሓሙሽተ ጊዜ ክኽተብ ዘኽእላ መጠን ንምዕዳግ ንኣፍረይቲ ትእዛር ከምዝሃበት ኣመልኪቶም።
እተን ሃገራት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ዓለም ነቲ 14 ሚኢታዊት ዝሕዛ እንተኾና’ውን ካብቶም መረጋገጺ ዝረኸቡን ዝፈርዩን ዓይነታት ክታበት 53 ሚኢታዊት ዓዲገንኦ ኣለዋ።
“ዝኾነ ይኹን ሰብ ብሰንኪ ዝነብረላ ሃገርን ዘለዎ መጠን ገንዘብን ነዚ መድሕን ህይወት ዝኾነ ክታበት ካብ ምርካብ ክግደብ የብሉን” ትብል ሓላፊት ፖሊስ ጥዕና ኦክስፋም ኣና ማሪዮት።
ንሳ “እዚ ክኸውን እንተዘይኪኢሉ ግን ኣብ ዓለም ብቢልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንዓመታት ክታበት ከይረኸቡ ክጸንሑ ክግደዱ እዮም” ብምባል ወሲኻ ተረድእ።
‘ፒፕልስ ቫክሲን ኣሊያስ’ ዝተበሃለ ምንቅስቓስ ብወገኑ፡ ብቢልዮናት ዝቑጸር ክታበታት ንምፍራይን ናብ ኩሉ ተበጻሑ ንምግባርን ንኽከኣል፡ ኩሎም ኣብ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝሰርሑ ኣፍረይቲ ትካላት ቴክኖሎጂኦምን ኣእምሮኣዊ ንብረቶምን ብግልጺ ንኻልእ ከካፍሉ ጸዊዑ’ሎ።