እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሪጣንያ ሎሚመዓልቲ ክታበት ኮሮናቫይረስ ምኽታብ ክትጅምር’ያ
ኣብ ብሪጣንያ ኣብቲ ‘ቪ - ደይ’ [መዓልቲ ዓወት] ዝተሰመየን ሎመዓልቲ ዝጅመርን ፈላሚ ዙር ወፍሪ ክታበት ኮሮናቫይረስ ዝተመረጹ ሰባት ክኽተቡ እዮም።
ዕድሚኦም ልዕሊ 80 ንዝኾኖም ሰባት ከምኡ’ውን ገለ ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን መሕብሐቢ ማእኸላትን ኣብታ ሃገር ብዝርከባ ኣስታት 70 ሆስፒታላት እቲ ብፋይዘር/ባዮኤንቴክ ዝፈረየ ክታበት ከምዝወስዱ ተፈሊጡ።
እቲ ፈላሚ ፕሮግራም ከኣ ነቶም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ሕብረተሰብ ጥዕንኦም ንምውሓስን ህይወት ናብ ንቡር ንምምላስን ከምዝዓለመ ይግለጽ።
ወዲ 87 ዓመት ዶክተር ሃሪ ሹክላ፡ ሎመዓልቲ ሰሉስ ነቲ ክታባት ካብ ዝወስዱ ሰባት ሓደ ብምዃኖም ዝፈጠረሎም ሓጎስ ገሊጾም ኣለዉ።
“ክፍጽሞ ዝግበኣኒ ሓላፍነተይን ክገብሮ ዝኽእል ሓገዝን ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ” ኢሎም ምስበዓልቲ ቤቶም ንኽታበት ዝተዳለዉ ዶክተር ሃሪ።
ብሪጣንያ ንክታበት ፋይዘር ኣብ ረብሓ ክውዕል ብምግባር ክታበት ኮሮናቫይረስ ብምጥቃም ፈላሚት ሃገር ክትኸውን’ያ።
ቀዳማይ ሚንስትር ቦሪስ ጆንሰን “እዛ ዕለት ኣብቲ ዩናይትድ ኪንግደም ኣንጻር ኮሮናቫይረስ እትገብሮ ቃልሲ ሓድሽ ምዕራፍ ከፊታላ” ክብል ገሊጹ።
እቲ ክታበት ንዜጋታት ክባጻሕ ምግባር ክሳብ ኣርባዕተ ወርሒ ክወስድ ከምዝኽእል ብምሕባር ድማ ክሳብ ሽዑ ግን ዜጋታት ነቶም ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ዝወጽኡ መምርሕታት እናፈጸሙ ክጸንሑ ኣዘኻኺሩ።
ኣብታ ሃገር ዛጊድ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ከምዝሞቱ ጸብጻብ መረዳእታ መንግስቲ’ታ ሃገር የመልክት።
መንግስቲ ንመጀመሪ ዝኸውን 800 ሽሕ ክታባት ዘዳለወ ኮይኑ ብጠቕላላ ግን ን20 ሚልዮን ሰባት ብኽልተ ዙር ዝወሃብ 40 ሚልዮን ክታበት ክፈርየሉ ኣዚዙ’ሎ።