እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬንያ "24 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮቪድ-19 ኣዚዛ"
መንግስቲ ኬንያ 24 ሚልዮን ብልቓጥ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ከምዝኣዘዘ ንሚኒስተር ጥዕና እታ ሃገር ብምጥቃስ ‘ዘ ስታር’ ዝተበሃለት ጋዜጣ እታ ሃገር ኣቓሊሓ።
እታ ጋዜጣ፡ መንግዝቲ ኬንያ ነቲ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19፡ 10 ቢልዮን ሽልንግ ኬንያ (89 ሚልዮን ዶላር) ገንዘብ ከምዘውጽአ’ውን ጠቂሳ።
ሚኒሰትሪ ጥዕና ኬንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ጋቪ (ግሎባል ቫክሲን ኣልያንስ ኢንሸቲቭ) እቲ ክታበት ክውሃቦ ወግዓዊ ሕቶ ከምዘቐረብ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ኬንያ ነቲ ከፊላትሉ ዘላ ብልቓጥ ክታበት ጸረ ኮቪድ 19 እንተተቐቢላቶ ን20 ሚእታዊት ካብ ህዝባ ክትከትብ ከምዘኽእላ ይግለጽ።
ባንኪ ዓለም ብዝሒ ህዝቢ ዓኬያ ልዕሊ 52 ሚልዮን ምኳኑ እዩ ዝሕብር።
ኬንያ ካበየናይ ዓይነት ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ጠሊባን ከፊላትሉን ምህላዋ ግን ኣብታ ጋዜጣ ኣይነጸረን።
ምስ ትሽዓተ ኣፍረይቲ ክታበት ተፈራሪሙ ዘሎ፡ ድኻታት ሃገራት ክታበት ንኽረኽባ ሓገዛት ዘበርክት ጋቪ፡ ንሓንቲ ብልቓጥ ብሕሳብ 3 ዶላር ንድኻታት ሃገራት ከምዘከፋፍል ኣብ መፋርቕ ናይዚ ዓመት ምግላጹ ይዝከር።
ኣብ ኬንያ እቶም ኣቐዲሞም ክታበት ዝውሃቦም ኣብ ቅድመ ግንባር ኮይኖም ዝቃለሱ ዘለዉ ሓካይም፣ ኣረጋውያንን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ምዃኖም ተገሊጹ ኣሎ።