ሶማልያ ንኬንያውያን ኣብ ዓዲ ምስ ኣተዉ ትህቦ ዝነበረት ቪዛ ከምእተቋርጾ ኣፍሊጣ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ክፍሊ ኢሚግሬሽን ሶማሊያ ጸጥታ ንምውሓስን፡ ንምሕደራ ናይቲ መስርሕ ንምምሕያሽን፡ ኬንያውያን ብዘይ ቪዛ ከይኣትዉ ኣዚዙ።
ጸብጻብ ሃገራዊ ሬድዮ ሶማሊያ ከምዘመልከቶ፡ ኬንያውያን ካብ ሃገሮም ተበጊሶም ብቐጥታ ናብ ሶማሊያ ምስኣተዉ ዝወሃቦም ዝነበረ ቪዛ ክቋረጽ ተወሲኑ’ሎ።
ስለዝኾነ ድማ ኬንያውያን ናብታ ሃገር ኣብ ዝገብርዎ መገሻ ገና ካብ ሃገሮም ከይተበገሱ ናብ ኤምባሲታት ሶማሊያ ብምኻድ ቪዛ ክሓቱ ከምዝግደዱ ሬድዮ ሞቓዲሹ ዝዘርግሐቶ ሓበሬታ የረድእ።
ናይ ዲፕሎማሰኛታት ቪዛ ዝሓዙ ኬንያውያን እንተኾኑ’ውን ብሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሶማሊያ መረጋገጺ ክረኽቡ ግድን ይኸውን።
እቲ ሓድሽ መምርሒ ካብ 13 ታሕሳስ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኸውን ተፈሊጡ’ሎ።
ውሳነ መንግስቲ ሶማሊያ “ምስ ፖሊሲ ምውሓስ ድሕነትን ሓደጋታት ኮሮናቫይረስ ንምንካይ ናይ ኢሚግሬሽን ቁጽጽር ንምጥንኻርን” ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ይግለጽ።
ሶማልያ ብድሕሪ’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ “ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ምርጫ ኢድ ተእቱ’ላ” ብዝብል ኣብታ ሃገር ንዝነበረ ንኣምባሰደር ብምስጓግ፡ ንኣምባሳደራ ድማ ካብ ኬንያ ምስ ሰሓበበት’ያ ናብዚ ውሳነ ዝበጽሐት።
ኬንያን ሶማሊያን ኣብ ውቅያኖስ ህንዲ ዘሎ ንኽልትኤን ዘራኽብ ማያዊ ክፋል (ማሪታይም) ይግበኣኒ ብዝብል ኣብ ምስሕሓብ ምጽንሐን ይዝከር።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







