ኣብ ኡጋንዳ ብዝተወለዐ ናዕቢ 28 ሰባት ተቐቲሎም

ኡጋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ መንጎ ፖሊስ ኡጋንዳን ደገፍቲ ፍሉጥ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቦቢ ዋይንን ኣብ ዝተፈጠረ ግጭት ብውሕዱ 28 ሰባት ተቐቲሎም።

እቲ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ ፖለቲከኛን ሙዚቀኛን ተቓዋሚ ንመምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ብዝብል ክሲ ትማሊ ኣብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምቕራቡ ብዋሕስ ተፈቲሑ’ሎ።

ሚኒስተር ጸጥታ ኡጋንዳ ኢሊይ ቱምዋይን፡ ናዕበኛታት ደረት እንተደኣ ሰጊሮም ፖሊስ ሓይሊ ክጥቀምን ክትኩስን መሰል ኣለዎ ኢሎም።

እቲ ናዕቢ፡ እቲ ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን: ቦቢ ዋይን፡ ጎስጓስ ምርጫ እናገበረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ'ዩ ተወሊዑ።

ነዚ ፍሉጥ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን ሓዊስካ፡ 11 ተወዳደርቲ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ ኣንጻር ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ክወዳደሩ እዮም።

ፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቪኒ፡ ኣብ 1986 ኢዩ ናብ ስልጣን ደይቡ።

ብማእሰርቲ ቦቢ ዋይን ዝተቖጥዑ ደገፍቱ፡ ኣብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ ካምፓላን ካልኦት ከተማታትን ጎማታትን ጎሓፍን የንድዱ ኣለው።

በቲ ዝተወለዐ ናዕቢ 11 ኣባላት ጸጥታ ተጎዲኦም ከምዘለው ሚኒስተር ጸጥታ እታ ሃገር ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ሓቢሩ።

ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም 28 ሰባት ሮቡዕን ሓሙስን እዮም ተቐቲሎም።

እንተኾነ፡ ማዕከን ዜና ኣሾሸይትድ ፕረስ፡ ናይ ፖሊስ ፓታሎጂስት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓሙስ ንጎሆ ጥራይ 37 ሬሳታት ከምዝቖጸረ ሓቢሩ።

ቦቢ ዋይን፡ ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ፍርሒ ናይ ህዝቢ ከምዘለዎ ብምኽሳስ፡ እቲ ተነቢሩ ዘሎ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒሱ ፕረዚደንታዊ ጎስጓስ ከምዝገብር ተመባጺዑ’ሎ።

ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት’ውን፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ንመምርሒታት ኮሮናቫይረስ ብምምኽናይ ንተቓወምቲ ሰልፍታት ኣብ ምዕፋን ተዋፊሩ ከምዘሎ ይሕብሩ።

ቦቢ ዋይን መን እዩ?

'ኣፍሮ ቢት' ብዝበሃል ቅዲ ጸወታ ሙዚቃ ዝፈለጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ኮይኑ ኣሎ።

ሙዚቃዊ ንጥፈታቱ ገዲፉ፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ናብ ፖለቲካ ምስተጸንበረ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ጸኒሑ እዩ።

እዚ ኣብ መጀመርታ 2000 ዓመተ ምሕረት ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸምበረ ዉሩይ ደራፊ ኣፍሮ ቢት፡ ነቲ ዓዉዲ ከም "መዘናግዕን መምሃርን" እዩ ክብል ይገልጾ።

ቦቢ ዋይን፡ ኡጋንዳዉያን ኣንጻር ብልሽውናን ዘይፍትሓዉነትን ኣብ ምቅላስ ክዓስሉን ክለዓሉን'ዩ ዝጽውዕ።