ፕረዚደንት ኡጋንዳ ናይ ስም ለውጢ ከም ዝገበረ ብወግዒ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኡጋንዳ፡ ዮወሪ ሙሰቨኒ ወግዓዊ ስሙ ከምዝቐየረ ኣፍሊጡ።
እቲ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ዮወሪ ካጉታ ሙሰቨኒ ተባሂሉ ክጽዋዕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት፡ ናይ ቁልዕነቱ ዝነበረ ስሙ ክውሰኾ ብኣዋጅ ኣፍሊጡ'ሎ።
እዚ 'ቲቡሃቡርዋ' ዝብል ተወሳኺ ስም ብቋንቋ ብሄሩ ዝኾነ ሩንያንኮረ፡ "ምኽሪ ዘይሰምዕ ወይ ክምራሕ/ክእረም ዘይክእል" ዝብል ትርጉም ዘለዎ'ዩ።
እዚ ድማ ኣብ ማሕበራዊ መረኸቢታት ኢንተርነት እታ ሃገር፡ ዋዛን ዳእላን ፈጢሩ'ሎ። ገለ ኡጋንዳውያን ብፍላይ፡ 'ኣማኸርቱ ድኣ ዓዲውዒል ክኾኑ'ዮም' ብምባል ሻቕሎቶም ክገልጹ ተሰሚዖም።
እቲ ፕረዚደንት ብመሰረት ሕጊ መዝገብ ውልቀሰባት እታ ሃገር ንሓድሽ ስሙ ኣድላዪ ቅጥዕታት ብምምላእ ክታሙ ኣንቢሩሉ ኣሎ።
ስለዚ፡ ድሕሪ ሕጂ፡ ዮወሪ ቲቡሃቡርዋ ካጉታ ሙሰቨኒ ተባሂሉ ክጽዋዕ'ዩ።
ዋላ'ኳ እቲ ዝተለቀበ ስም፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ዝተጠቕሰ እንተኾነ፡ ብወግዒ ግን ኣይጥቀመሉን'ዩ ነይሩ።
እቲ ፕረዚደንት፡ እቲ ናይ ንእስነቱ ስም ኣብ ናይ ትምህርቲ ሰነዳቱ ከም ዘሎ እዩ ዝዛረብ።
እንተኾነ ግን፡ ምስቲ ኮሚሽን ምርጫ ዘውጽኦ፡ ኣስማት ናይቶም ኣብ 2021 ዝካየድ ምርጫ ዝወዳደሩ ውልቀሰባት ምስቲ ናይቲ ትምህርቲ ሰነዳቶም ዝመሳሰል ክኸውን ኣለዎ ዝብል ቅጥዒ ንምምላእ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ኣብቲ ቀረባ እዋን እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣስማት ናይ ገለ ተወዳደርቲ ምስ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰነዳቶም ከምዘይሳነ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ 2017፡ ብሰንኪ ከምዚ ዝበለ ጸገም ኣብ ምርጫ ዝተዓወቱ ኣባላት ባይቶ ስልጣኖም ተገፊፎም'ዮም።
እቲ ንልዕሊ 30 ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ዮወሪ ሙሰቨኒ፡ ኣብቲ ናይ 2021 ምርጫ ክወዳደር ምዃኑ ኣቐዲሙ ገሊጹ'ዩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







