ኣብ ኡጋንዳ ፍሉጥ ሙዚቐና ድሕሪ ምእሳሩ ብዝላዕለ ናዕቢ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትማሊ፡ ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት ብዙሓት ከምዝቆሰሉ ፖሊስ እታ ሃር ኣፍሊጡ።
እቲ ናዕቢ፡ ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን: ቦቢ ዋይን ጎስጓስ ምርጫ ክገብር እንከሎ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወ'ዩ ተወሊዑ።
እቲ ካብ ፖሊስ ዝተዋህበ ወግዓዊ ጸብጻብ፡ እቶም ሰለስተ ሰባት ብኸመይ ከምዝሞቱ ኣየነጸረን።
እንተኾነ፡ ገለ ሰባት ሃለዋቶም ኣጥፊኦም ነብሶም ብደም መሊኡ ኣብ ጎደና ተደርቢዮም ዝርኢ ምስልታትን ተንቀሳቓሲ ቪድዮታትን ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ'ሎ።
እቶም ሰባት ብጥይት ተረሺኖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ'ውን ይዝረብ ኣሎ።
ካልኦት 30 ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ዕግርግር ከቢድን ፈኲስን መጉዳእቲ በጺሕዎም ከምዘሎ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የርድእ።
ኣብ ርእሰ ከተማ፡ ካምፓላን ካልኦት ከተማታትን ድማ ቦቢ ዋይን ካብ ቤት-ማእሰርቲ ክፍታሕ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፍታት ይካየድ ኣሎ።
ንሱ፡ ብሃገራዊ ቦርድ ምርጫ እታ ሃገር ዝወጽአ መምርሒታት ኮሮናቫይረስ ጥሒስካ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ቀይዲ ኣቲዩ ዘሎ።
ጠበቓታቱ ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ እቲ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ሙዚቐኛ: ጂንጃ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ተኣሲሩ'ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ካልእ ኣባል ተቃዋሚ ሰልፊ'ውን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ'ሎ።
ኡጋንዳ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክተካይድ ትሸባሸብ ኣላ። እቲ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓሳት ምርጫ ግን ብመምርሒታት ኮሮናቫይረስን ዕግርግን ተሓሚሱ ይርከብ።
ቦቢ ዋይን መን እዩ?
'ኣፍሮ ቢት' ብዝበሃል ቅዲ ሙዚቃ ዝጻወት ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ቦቢ ዋይን፡ ዋላ እኳ ኣብታ ሃገር ልዑል ተቐባልነት እንተሃለዎ፡ ምስ መንግስቲ ሙሴቬኒ ዓይንን ሓመድን ካብ ዝኸውን ዓመታት ኣቑጺም ኣለው።
ምስ ሙዚቃ ዝነበሮ ህይወት ብምግዳፍ፡ ናብ ህዝባዊ ፖለቲካ ምስተጸንበረ'ውን፡ ኣባል ቤት ምኽሪ ኮይኑ ካብ ዝምረጽ፡ ነቲ ባይቶ ከጨንቖ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ዉሩይ ደራፊ ኣፍሮ ቢት፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት 2000 ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸምበረ ኮይኑ፡ ነቲ ዓዉዲ ከም "መዘናግዕን መምሃርን" ክብል ይገልጾ።
ቦቢ ዋይን፡ ኡጋንዳዉያን ኣንጻር ብልሽውናን ዘይፍትሓዉነትን ኣብ ምቅላስ ክዓስሉ ክለዓሉ'ዩ ዝጽውዕ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







