ዩጋንዳዊ ደራፋይ ቦቢ ዋይን ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እዩ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣባል ባይቶ ዩጋንዳዊ ደራፋይ ቦቢ ዋይን ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ሙኳኑ ኣብ ኣኼባ ሰልፉ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ንናይ ምረጹኒ ጎስጓስ ፕረሲደንታዊ ምርጫ 2021 ትመርሓሉ ጋንታ ውን ወግዓዊ ገይሩ ኣሎ።
ቦቢ ዋይን ኣብ መንእሰያት እታ ሃገር ረኺብዎ ዘሎ ዝና ንፕረሲደንት እታ ሃገር ዩወሪ ምሶቪኒ ሓያላ ብድሆ ከም ዝኾኖ ይግመት።
ወዲ 74 ምሶቪኒ ንሻድሻይ ግዚኡ ክወዳደር ትጽቢት ይግበር።
ሓቀኛ ስሙ ሮበርት ክያጉላኒ ዝኾነ ቦቢ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቃፍላይ ፕረሲደንት እታ ሃገር ድሕሪ ዝተሰንደወ ደናጉላ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ፡ ናይ ክሕደት ሃገር ክሲ ኢዩ ተመስሪትሉ ዘሎ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከሎ ግፍዒን ማህረምትን ከም ዘጋጠሞ ዝኸስስ ቦቢ፡ ብሰበስልጣን እታ ሃገር ግን ተነጺጉ ኢዩ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







