ቦቢ ዋይን፡ ሙዚቀኛን ኣባል ፓርላማን ኡጋንዳ ንሙሴቬኒ ይፈታተኖ

ቦቢ ዋይን ንደገፍቱ ሰላምታ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቦቢ ዋይን ኣብኢ ዝሓለፈ ኣመት ኣባል ፓርላማ ክኸዉን ተሓርዩ

ፍሉጥ ኡጋንዳዊ ናይ ኣፍሮቢት ሙዚቀኛን ፓለቲከኛን ዝኾነ ቦቢ ዋይን በቲ ዝቐረበሉ ናይ ሃገር ክሕደት ክሲ ኣብ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርብ'ዩ ተባሂሉ።

እቲ ኣባል ባይቶ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ዋይን፡ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ መካይን ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ኣእማን ድሕሪ ምድራባዮም'ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።

መራሒ መኪናኡ ድማ ብጥይት ከም ዝተቐትለ ተፈሊጡ።

ካልእ ኣባል ተቓዋሚ መንግስቲ ዝኾነን ኣብቲ ዝተኻየደ ዞባዊ መርጫ ዝተዓወተን ካስያኖ ዋድሪ'ውን ተመሳሳሊ ክሲ ቀሪቡሉ ኣሎ።

"መራሕቲ ኣብ ክንዲ ዝመርሑን ዝምዕዱን፡ መጋገይረትን ኣሳቐይትን ኮይኖም። ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽ መጨፍለቒኻ እንተኾይኑ፡ ናትካ መትከል ተቓዉሞ ይኸዉን"።

እዘን ማይ ቤት፡ ቅድሚ መረጻ ኡጋንዳ 2016፡ ካብ ዝተዘየመ 'ሲቱካ' ማለት 'ምልዕዓል' ካብ ዝብል ሙዚቃ ኡጋንዳዊ ሙዚቀኛ ቦቢ ዋይን ዝተወስዳ እየን።

ናይ ጌቶ (ሻውል) ፕረዚደንት

ብሙዚቃታት ኣፍሮ ቢት ዝፍለጥ ቦቢ ዊኔ፡ ኡጋንዳዉያን ግዕዝይናን ዘይፍትሓዉነትን ኣብ ምቅላስ ክዓስሉ ንምልዕዓል፡ ነዚ ሙዚቃ ተጠቒሙሉ'ዩ።

Skip YouTube post
ንትሕዝቶ Google YouTube ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ Google YouTube ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ Google YouTube ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of YouTube post

ኣብቲ እዋን፡ ብዙሓት ፍሉጣት ሙዚቀኛታት ኡጋንዳ፡ ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ ዳግም ንክምረጽ እንትጉስጉሱ፤ ዋይን ግና ኣይፋል ኢሉ።

ኣብዚ እዋን እዚ'ዮም ብዙሓት ዊኔ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ንጡፍ ተራ ክጻወት ከምዝደለየ ግምቶም ምሃብ ዝጀመሩ።

እዚ ዉሩይ ደራፊ ኣፍሮ ቢት፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት 2000 ናብ ሙዚቃ ዓለም ዝተጸምበረ እንትኾን፡ እቲ ዓዉዲ "መዘናግዕን መምሃራይን" ክብል ይገልጾ።

ዋይን ፡ ሮበርት ከያጉላኒይ ሴንታሙ ወግዓዊ ሽሙ እንትኾን፡ ንሕጹያት ምንቅስቃስ ሃገራዊ ተቓውሞን (NRM) ዲሞክራሲያዊ ለዉጥን (FDC) ብምስዓር ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ማእኸላይ ኡጋንዳ ብሕታዊ ኣባል ባይቶ ክኸዉን ተመሪጹ'ዩ።

ንርእሱ ናይ "ጌቶ ፕረዚደንት" ኢሉ ዝጽዉዕ ዊኔ፡ ኣባል ባይቶ ኸይኑ ምስተመረጸ፡ "ኣነ ነቲ መንእሰይ ዓርሰ እምነት ክህብን ንነገራት ጠጠዉ ክብልን'የ" ኢሉ።

እቲ ቅጽል ስም ካብቲ ዝዓበየሉ ኣብ ማእከል ከተማ ካምፓላ ዝርከብ ናይ ድኻታት ሰፈር (ሻውል) ኮይኑ ሙዚቃታቱ ስዝቐድሕ'ዩ- ዋላ'ኳ ህቡብ እንተኾነ ድሕረባይታኡ ኣይረሰዐን።

ግብሪ ማሕበራዊ ዲያ

እዚ ወዲ 36 ዓመት ሙዚቀኛ፡ ቀንዲ ነቓፊ ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ኾይኑ ኣሎ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፤ ምስ ተቓወምቲ ብምዃን ኣብ ርእሰ ከተማ ካምፓላ ንሰልፊ ተቓዉሞ ዝወጽአ እንትኾን፡ መንግስቲ ዝረኽቦ ኣታዊ ንምዕባይ ብዝብል ኣብ ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተቐመጠ ናይ ግብሪ ዉሳነ ተቓዊሙ'ዩ።

ሙሴቬኒ፡ ብዋትስኣፕ፣ ፌስቡክን ትዊተርን ዘሎ ምልዉዋጥ ሃበሬታ "ሕሜት" ክብል ኾኑኑዎ'ዩ።

እቲ መንግስቲ ዝወሰኖ ዉሳኔ፡ መዓልታዊ 200 ሽሊንግ ኡጋንዳ ክትኸፍል ዝሓትት ኮይኑ፡ መንግስቲ መጠን ዝኽፈል ግብሪ ክኽልሶ'የ ኢሉ።

ዋይን ፡ ገደብ ዕድመ ፕረዚደንታዊ መሪሕነት 75 ክኸዉን ኣለዎ ኣብ ዝብል ጎስጓስ'ዉን መሪሕ እጃም ኣለዎ።

ንሱ፡ ሓደ ካብ ሞንጎ እቶም ተቓወምቲ ሓንጸጽቲ ሕጊ እንትኾን፡ ኣብ ፓርላማ ንዝነበረ ክትዕ ኣትሪሩ ሞጕቱ'ዩ።

መግለጺ ቪድዮ, ኣብ ዉሽጢ ፓርላማ ኣብ ዝነበረ ክትዕ ወናብር ተደርብዮም

"ፈተነ ቕትለት"

ተንታኒ ፖለቲካ ኒኮላስ ሰንጎባ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፤ ኣብ ሰሜን ምዕራባዊት ከተማ ኣሩ ዝተኻየደ ዋይን ዝተዓወተሉ መረጻ፡ "ግበር ወይከኣ ንሙሴቬኒ ሙት" ዝብል'ዩ ነይሩ ኢሉ።

"ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ፡ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ምዃኑ ክገርሞ ይኽእል'ዩ። ቦቢ ዋይን ኣብ ከባቢያዊ መረጻታት፡ ንሙሴቬኒን ቤሲጂየን ኣርባዕተ ግዘ ስዒሩዎም'ዩ"።

እንተኾነ ግና፡ ደገፍቱ ኣብ ከተማ ኣብ ልዕሊ መኪና ፕረዚደንት ሙሴቬኒ ጥቕዓት ብምፍጻሞም፡ ፖሊስ ንዋይን ናብ ቤት ፍርዲ ስለዝቕርቦ፡ እቲ ኣብ ኣራ ዝረኸቦ ዓወት ኣይክጽምብልን'ዩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ዋይን፡ ንዕኡ ዘነጻጸረ መጥቃዕቲ ንዘዋሪ መኪንኡ ግዳይ ከምዝገበረ ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ነይሩ።

ደገፍ መናእሰይ

ተንታኒ ፖለቲካ ሮበርት ኪሩንዳ፡ ናይ ዋይን ህቡብነት ኣብ ኡጋንዳ ዘሎ "ክፍተት ኣመራርሓ" ዝፈጠሮ'ዩ ኢሉ።

"ኣብቲ ኤንኣር ኤም ናብ ስልጣን ዘደየበ ፖለቲካዊ ቃልሲ ኮነ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኤፍዲሲ ክኣትዉ ዘይደልዩ ብዙሃት መናእሰይ ኣለዉ። መብዛሕትኦም፡ ቑጠባ እታ ሃገር ንዕኦም ይጠቅም የለን ብዝብል ዕድል ስራሕ ክፍጠረሎም'ዮም ዝደልዩ" ኢሉ።

ቦቢ ዋይን ንደገፍቱ ሰላምታ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ቦቢ ዋይን፡ ምልዕዓል ኣብ ምግባር እምበር ኣብ እዋን ጎስጓስ መረጻ ንዝኣተዎም መብጸዕዓታት ዝትግብር ምኽረ ሓሳብ ኣቕረበን ተባሂሉ ይንቀፍ

ዋይን "ጎሊሑ ወጺኡ ኣሎ" ዝብል ኪሩንዳ፡ "ንፉዕ መለዓዓሊ'ኳ እንተኾነ እቲ መንግስቲ እንታይ ከም ዝገብር ግን ከም ቢሲጂየ ኣይረኣየን ዘሎ" ይብል።

እቲ ንነዊሕ ዓመታት መራሒ ተቓዋሚ ዝነበረ በሲጂየ፡ ኣብ ልዕሊኡ ማእሰርትን ኣካላዊ መጉዳእትን'ዩ በጺሕዎ'ዩ። "ቦቢ እዚ ገና ኣይበጽሖን ዘሎ" ይብሎ።

"ኣብ መንጎ መሪሕነትን ሰዓብቲ ምእካብን መሰረታዊ ኣፈላላይ ኣሎ'የ ዝብል። ክሳብ ሕዚ፡ ቦቢ ዋይን ናብ ፓርላማ ሓደ እማመ ከቕርብ ኣይርኣኹን" ክብል ድማ ይገልጽ።

ጋዜጠኛ ሰብ ሞያ ኪነ ጥበብን ጸሓፍን ሞሰስ ሰሩጎ ድማ፡ ምስቲ ኣብ ጌቶ (ሻውል) ዘሎ ህዝቢ ዘለዎ ቕርበትን ክእለትን፡ ብፍላይ ናይ መናእሰይ ተቐባልነት ክረክብ ኣኽኢሉዎ'ዩ ይብል።

ይኹን'ምበር፡ ዋይን ከም ደራፋይ ዘይኮነ ተዋሳኣይ ብምዃኑ'ዩ ኣብ ኡጋንዳ ክሳብ ክንድ'ዚ ጽልዋ ዘለዎ ፓለቲከኛ ክኸውን በቒዑ።