ጥልያን፡ ኣብ ቢንቶ ሞራንዲ ዘለው ሰባት ናይ ምድሓን ተስፋኦም ኣዝዩ ንእሽቶ'ዩ

በቲ ሓደጋ ዝጠፍኡ ሰባት ንምርካብ ዝካየድ ኣለሻ ይቕጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ቀዳማይ ምኒስተር ጣልያን እቲ ኣብ ከተማ ጄኔዋ ዘጓንፈ ምፍራስ ቢንቶ ኣብ ምዕቡል ሃገር ከጓንፍ ቅቡል ኣይኮነን ኢሉ።

ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣብታ ሃገር ንኸየጓንፍ ድማ መንግስቲ ኩሉ ዝክኣሎ ኪገብር ከምዝኾነ ገሊጹ።

ቀዳማይ ምኒስተር ጣልያን ጁሴፔ ኮንተ ድሕሪ`ቲ ኣብ ከተማ ጄኔዋ፡ ኣብ ዞባ ሊጉሪያ ዘጋነፈ ሓደጋ ምፍራስ ቢንቶ ናይ 12 ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ኣዊጁ።

ንግዚኡ ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ እታ ሃገር ዘጓነፈ ሓደጋ ዝውዕል ካብ ማእከላይ መንግስቲ 5 ሚልዮን ዮሮ ተሰሊዑ ከምዘሎ ገሊጹ።

ማእከላይ መንግስቲ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰደ ድሕሪ`ቲ ዞባዊ መንግስቲ ብሰሉስ 14 ነሓሰ ነቲ ሂወት 39 ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ሕቶ ኢዩ።

ኣብ ዓዲ ጥልያን ህዝቢ በቲ ምፍራስ`ቲ ቢንቶ ሓርቖቶምን ኣግርሞቶምን ኪገልጹ ተሰሚዖም።

እቶም ሂወት ዘድሕኑ ሰባት ነቶም ጌና ኣብ ትሕቲ`ቲ ፍርስራስ ብ ቢንቶ ሞራንዲ ዘለው ሰባት ብሂወቶም ናይ ምድሓን ተስፋኦም ኣዝዩ ንእሽቶ ከምዝኾነ ይገልጹ።

ኣብቲ`ቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ስዓት ብርክት ዘባላ መካይን 45 ሜትሮ ንታሕቲ እየን ተነቚተን፡ እቶም ኣብተን መካይን ዝነበሩ ሰባት`ውን ምስተን መካይን ኢዮም ንታሕቲ ተነቚቶም።

እቲ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ስጋብ ሕጂ ኣይተፈልጠን ዘሎ፡ እንተኾነ እቲ ነታ ቢንቶ ሓላፍነት ወሲዱ ዝከታተላ ዝነበረ ናይ ግሊ ኩባንያ ዓቢ ወቐሳ ይወርዶ ኣሎ።

ቢንቶ ሞራንዲ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እንታይ ሓድሽ ምዕባለ ኣሎ ኣብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ቦታ?

ኣማኢት ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ምሉእ ለይቲ ዘመናዊ መደያየቢ መሳሪሒታትን ዕሉማት ኣኻልብን ብምጥቃም ነቶም ካብ ሞት ዝድሓኑን ነቶም ዝሞቱን ካብቲ ፍርስራስ ብምውጻእ ናብ ልጉስ ቦታ ከውጽእዎም ሓዲሮም።

ልዕሊ 400 ዝኮኑ ሰባት ድማ ካብቲ ናይ ሓደጋ ከባቢ ኣግዒዞምዎም ኣለው። ገለ ናብ ጋዛውቶም ክምለሱ ዝፈተኑ ድማ ጋዛውቶም መንቃዕቲ የርኢ ስለዘሎ ናብ ጋዛውትኹም ክትምለሱ ሓደገኛ ኢዩ ተባሂሎም።

ኣብዚ ኣዋን 15 ሰባት ኣብ ሆስፒታላት ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ፡ ካብኦም ትሽዓተ ድማ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘለው ኣመሓደርቲ`ቲ ዞባ ገሊጾም።

እቲ ቀዳማይ ምኒስተር እንታይ ኢሉ?

ኣማሓዳሪ ዞባ ሊጉሪያ፡ ጆቫኒ ቶቲ ነቲ ማእከላይ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ክእውጅ ሓቲቱ።

ካቢነ ምኒስተራት ኣብ ጄኔዋ ኣኼባ ድሕሪ ምክያዱ ድማ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮንቴ፡ ነቲ በቲ ኣማሓዳሪ ዞባ ሉጉሪያ ዝቐረ ጠለብ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ምእዋጅ ከምዝተቐበልዎን፡ መንግስቲ ኣብ ሉጉሪያ ናይ 12 ኣዋርሕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ከምዝኣወጀን፡ ንጊዝያዊ መዓላ ዝውዕል 5 ሚልዮን ዩሮ ከምዝሰለዐን ገሊጹ።

መንግስቲ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክእውጅን ምስቲ ናይ ቀብሪ መዓቲ ክሳነ ድማ መደብ ከምዘለዎን ገሊጹ።

``እዚ ዘጓነፈ ዘሐዝን ፍጻመ ኣብ ምዕቡል ሕብረተሰብ ከጓንፍ ቅቡል ኣይኮነን፡ መንግስቲ ድማ ተመሳሳሊ ሓደጋ ንኸየጓንፍ ኩሉ ዝክኣሎ ክገብር ኢዩ`` ኢሉ።

መን እዮም ነይሮም እቶም ግዳያት?

መብዛሕትኦም ኣብ መካይኖም ዝነበሩ ናብ ስራሕን ናብ ናይ ዕረፍቲ ቦታ ዝኸዱ ዝነበሩ ሰባትን ገለ ስድራቤታትን ኢዮ ነይሮም።

ዳርጋ ኩሎም ደቂ ጥልያን ኢዮም ነይሮም። ኣርባዕተ ዝኾኑ ድማ ደቂ ፈረንሳ ከምዝነበሩ ናይ ፈረንሳ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ገሊጹ።

ኣብ ቢንቶ ሞራንዲ ዘጓነፈ ነገር ዛጊት ዝተፈልጠ ነገር'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ኣብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ስዓት ብርቱዕ ዝናብ ይዘንብ ነይሩ።

ገለ ኣዕኑድን 200 ሜትሮ ዝንውሓቱ ክፋል ናይቲ ቢንቶን ድሕሪ ምፍራስ ናብ መገዲ ባቡርን፡ ገለ ክፋሉ ድማ ናብቲ ትሕቲ እቲ ቢንቶ ዝነበረ ሩባን መኻዚኖን ኢዩ ረማዕ ኢሉ ፈሪሱ።

ነቲ ጽርግያ ዘካይድ ኩባንያ ኣብቲ ሓደጋ ዘጓነፈሉ ስዓት ኣብቲ መሰረት ናይቲ ቢንቶ ጽገና ይካየድ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ኣውቶ ስትራዳ ፐር`ላ ኢታልያ ዝተባህለ ኩባንያ ከምዝበሎ ድማ እቲ ቢንቶ ብሰንኪ ጻዕቂ ናይ መካይን ኣአጋን የርኢ ከምዝነበረ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ዓቃብ ሕጊ ከተማ ጄኔዋ ነቲ ብሰንኪ ሸልልትነት ዝሰዓበ ቅትለት ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ። ናይ ወዲ ሰብ ጌጋ ዝስዓቦ ሓደጋ ኢዩ ድማ ኢልዎ