ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ኦብነግን መንግስቲ ኢትዮጵያን ከመይ'ዮም ክዛተዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንከም በዓል ኣልሸባብን ኣልቃዒዳን ዝበሉ ናይ ወጻኢ ጉጅለታት ሓዊሱ፡ ኣብ 2003 ዓ.ም ኦነግ፣ ኦብነግን ጉንበት ሸዉዓተን ዝበሉ ተቓወምቲ ከም ጉጅለታት ራዕዲ ኢሉ ዝፈረደ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዓመት ነቶም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ከይሓወሰ እቶም ካልኦት ካብቲ መዝገብ ሰሪዙ'ዩ።
ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኾይኖም፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ ሓይሊታት፡ ዕጥቆም ፈቲሖም ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ሃገሮም ክንቀሳቐሱ ከምዝኽእሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ብዝቐረቦ ጻዉዒት መሰረት፡ ግንባር ብሄራዊ ሓርነት ኦብነግ ብ6 ነሓሰ 2010 (2018) ልኡኹ ናብ ኣዲስ ኣበባ ሰዲዱ።
ኣብ ዙርያ ሓድሽ ፖለቲካዊ ባይታ ኢትዮጵያን ንቕድሚት ዝፍጠር ጉዳይን ብምዝታይ፡ ንሰላምን ምርግጋእን ህዝቢ ኢትዮጵያ እጃምና ክነወፊ ትካላዊ ዉሳነ ኣሕሊፍና ኢና ዝብል ኦብነግ፡ ጊዝያዊ ተኩሲ ናይ ምቁራጽ ዉሳነ ብምሕላፍ፡ ናብ ዓዱ ከምዝኣተወ ይገልጽ።
ኣባል ፈጻሚት ስራሕን ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽንን እቲ ግንባር ኣይተ ሓሰን ኣብዱላሂ ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝካየደሉ ግዘ ኣይኮነን።
"ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ስርዓታት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘብጽሑዎ ዝነበረ በደልን ጭቆናን ዘስካሕክሕ'ዩ ነይሩ። ንሕና'ዉን ህዝብና ፍትሕን መዓርነትን ክረክብ ኢና ዕጥቅና ኣልዒልና። ሕዚ ግና፡ ግዝኡ ጠመንጃ ዝጠልብ ኣይኮነን። ኩሉ፡ ብሰላማዊ ልዝብ ፍታሕ ክረክብ'ዩ ኢልና ኢና ንኣምን" ኢሉ።
መርገጺ ኦጋዴን ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ
ጸገም ኦጋዴን፡ ንዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ'ዉን ዓብዪ ጸገም ነይሩ። ኣብ 1977 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ፡ ኣብ ኦጋዴን ዝተኻየደ ኵናት፡ ኣብ ሶማሊያ ንዘጋጠመ ኵናትን ምብትታንን ምኽንያት ከምዝኾነ ይለዓል።
ኣብቲ ቐጠና፡ ቀቢላዊ ድርኺት ዝሓዛ ንኣሽቱ ቓጽዖታት ክፍጠራን ህልዉና ዝፈታተን ኵናት ሱር ክሕዝን ተራእዩ።
ህዝቢ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ምስ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮነ ሃገራት እቲ ዞባ ዘተኣሳስሮ ማሕበረ ቑጠባዊ ዓንዲ ሰፊሕ ከምዝኾነ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ "ዝሓዝናዮም መደባት ዘሎ ኩነታት ኣገናዚብና ኢና እንትግብሮም" ይብል።
"ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብቲ ዞባ ዘለዉ ማሕበረ ቑጠባዊ ሕቶታት ብምቅዳም፡ ንቕድሜና ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኾይንና ባህሊ ምክእኣል ኣዕቢና፡ ብሰላማዊ መገዲ ጸገማት ክፍትሑ'ዮም ኢልና ንኣምን" ክብል ይግለጽ ኣቶ ሓሰን።
ኣብቲ ክልል እትርከብ ኦጋዴን፡ ብነዳድን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ጸጋታትን ዝማዕበለት ብምዃና፡ ኣብ ቀጻሊ ፖለቲካዉን ቑጠባዉን ተሳትፎ እቲ ግንባር እወንታዊ ክኸዉን'ዩ ዝብል እምነት ኣለና ክብል'ዉን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, ONLF
ብወሃቢ ቃል እቲ ግንባር ኣቶ አዳኒ አብዱልቃድር ጌርሞጌ ዝተመርሐ ልኡኽ ኦብነግ ዝሓለፈ ሰንበት ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ፡ ኣብቲ ዞባ ዝኾነ ዓይነት ድምጺ መሳርሒ ክስማዕ ከምዘይደልን እቲ ክልል ንምርግጋእን ከምዝኾነ ገሊጹ'ዩ።
መስራቲ ዋርድ ሄር ኒውስ ዶት ኮም፣ ጸሓፍን ተንታኒ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣይተ ፈይሰል ሮቤል ድማ፡ ዉሳነ ምቁራጽ ተኩሲ ኦብነግ፡ ነቲ ግንባር ተቐቢሉ መስዋእቲ ክኸፍል ንዝጸንሐ ህዝቢ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ፡ ዕረፍቲ ዝህብን ህዝቢ ክጽበዮ ዝጸንሐ ጉዳይ ከምዝኾንነን ይገልጽ።
እዚ ኣብ ቀጻሊ ንዝካየዱ ልዝባትን ምንቅስቓሳት ሓበራዊ ስራሕን ዓብዪ እጃም ክህልዎ'ዩ'ኳ እንተተብሃለ፡ ቀሊል ክኸዉን ኣይኽእልን ዝብል ስግኣት ግና ኣለኒ ይብል ኣይተ ፈይሰል።
"ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኦብነግን ዝካየዱ ልዝባት ፈተና ዝተመልኦም'ዮም። መጻኢ ዕጫ እቲ ክልል ጠሚቶም ዝካየዱ ልዝባት ከመይ'ዮም ክኾኑ? ብፍላይ ክኣ ዓንቀጽ 39 ዝሓዞ ብዲሞክራሲያዊ መገዲ ህዝቢታት ርእሰ ምምሕዳር ክትግብሩ ይኽእሉ'ዮም ዝብል'ዩ"።
"ካልእ ማእኸላይ መንግስቲ ኣብቲ ክልል ዘለዎ ኢድ ኣእታዉነት ከመይ ይንኪ? ክፍፍል ሃፍትን ኣጠቓቕማ ኣብቲ ክልል ዘሎ ሃፍቲ ነዳድን ዝብሉ ጉዳያት ዓብዪ ትኹረት ዝሓቱ'ዮም" ክብል የብርህ።
ኦብነግ፡ ኣብ ህዝቢ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ሰፊሕ መሰረትን ተቐባልነትን ኣለዎ'ዩ ዝብል እቲ ተንታኒ፡ ከም ሓደ ሕጋዊ ፓርቲ ብሰላማዉን ዲሞክራሲያዉን መገዲ ክቃለስ ምምጽኡ ህዝቢ ብሓጎስ'ዩ ዝቕበሎ'ዩ ክብል ገሊጹ።
"ኦጋዴን ነጻ ከዉጽእ'የ" ብዝብል ምንቅስቓስ ዝፍለጥ ግንባር ብሄራዊ ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሕዚ ዝሓዞ መደብ ብምንታይ ይፍለ? ሓላፊ ቢሮ ኮምዩኒኬሽን እቲ ግንባር ኣቶ ሓሰን ኣብዱላሂ፡ ሕዚ ነቲ ህዝቢ ምሕጋዝ''ዩ ሓሳብና ኢሉ።
"ሕዚ፡ ፍትሕን ማዕርነትን ዘንገሰት ሃገር ምህናጽ፣ ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዝነበር ህዝቢ ድማ መሰል ርእሰ ዉሳነ ዝረኽበሉ ዕድል ምፍጣርን ሕቶታቱ ምስተመለሱ እቲ ጉዳይ ናብ ህዝቢ ብምቕራብ ዕድሉ ዓርሱ ክዉስን ምግባርን'ዩ። እንተኾነ ግን፡ ህዝቢ ፍትሒ፣ ዲሞክራስን ናጽነት እንተድኣረኺቡ ኢትዮጵያዉነቱ ክመርጽ ይኽእል'ዩ" ይብል።
ኣብ ዉሽጢ እቲ ክልል ዝፍጠር ሰላምን ምርግጋእን፡ ከም ሃገር ካብ ዘለዎ ግደ ብዝሰገረ፡ ንቲ ዞባ'ዉን መሰረታዊ ፍታሕ ብምምጻእ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ክወሃሃዳን ክረጋግኣን ከምዝገብር ክልቲኦም ይሰማምዑ።
"ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ዘጋጥሙ ዝነበሩ ጎንፅታት ኣብ ዶብ ከባቢታት ዘጋጥሙ ዝነበሩ ምኻኖም ምርዳእ ኽኢልና ኢና" ዝብል ተንታኒ ጉዳያት እዚ ቐጠና ፈይሰል ሮቤል፡ ንጎንጺ ዝስዕር ልምዓት ምምጻእ፣ ክልል ሶማሌ ምሕቋፍን፡ መጻኢ ጸገማት ከይፍጠሩ ኣብ ምክልኻል ሓጋዛይ እጃም ክህልዎ ይኽእል'ዩ።

ምንጪ ስእሊ, FAISAL ROBEL
"ለዉጢ ኣመራርሓ እቲ ክልል ከረጋግኦ ኣይኽእልን"
ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፅን ዘይምርግጋእን ንምህዳእ፡ ፖሊስ ፌደራልን ሓይሊ ምክልኻልን ናብ ከተማ ጅግጅጋ ምእታዉ ብዙሓት ኣካቲዑ።
ህይወት ሰብ ጠፊኡ፣ ንብረት ዓንዩ ብዙሓት ድማ ተመዛቢሎም። ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያትን ኣብ ልዕሊ ኣብያተ ክርስቲያን ዝተዓቖቡን ሰባት ጥቕዓት ተፈጺሙ።
ብዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማእሰርትን ብተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኽሰስ ዝጸንሐ፡ ፕረዚደንት ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ነበር ኣይተ ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ ስልጣኑ ከረክብ ተገይሩ።
ብድሕሪ "ሰላማዊ ስግግር ስልጣን'ዩ ተኻይዱ" ዘሎ ሓቅነት ሕዚ'ዉን መካትዒ ጉዳይ ኾይኑ፡ አይተ አሕመድ አብዲ መሓመድ ፕረዚደንት እቲ ክልል፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ፌደራል ሚኒስትር ኣሕመድ ሸዴ ድማ ኣቦ መንበር ገዛኢ ሰልፊ እቲ ክልል ኾይኖም ተሸይሞም።

ምንጪ ስእሊ, Axmed Cabdi
መስራቲ ዋርድ ሄር ኒውስ ዶት ኮም፣ ጸሓፍን ተንታኒ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣይተ ፈይሰል ሮቤል ሸዉዓተ ነሓሰ ካብ ስልጣኑ ንዝለገሰ ፕረዚደንት ኣብዲ መሓመድ ዑመር፡ 25 ሓምለ 2018፡ ምኽንያት ሞት ንጹሃት ዜጋታት ዝኸዉን ዘሎ ጎንፂ ጠጠዉ ከብል ሰላማዊ ስግግር ስልጣን ክገብር ዝሓትት ምኽረ ሓሳብ ጽሒፉ ነይሩ።
እንተኾነ ግና፡ እቲ ዝነበረ ምትኽኻእ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ክልል፡ ሰላምን ምርግጋእን ክምለስን ሰባት ናብ መንበሪኦም ክምለሱን'ኳ እንተሓገዘ "ሰፊሕ ኢድ መንግስቲ ፌደራል ዘለዎ ብምዃኑ ግና እቲ ክልል ከረጋግኦ'ዩ ኣይብልን" ኢሉ።
"ብኣብዲ መሓመድ ዝምራሕ ዝነበረ ጨካን ስርዓት ስግግር'ኳ እንተተገበረ፡ እቲ ለዉጢ ግና ወሳኒ ክትዕ የልዕል ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ከመይ ናብ ስልጣን መጺኦም ኣብ ዝብል ርኡይ ናይ መንግስቲ ፌደራል ኢድ ነይሩ እዮም ዝብሉ። እዚ ጸገም ክህልዎ ይኽእል'ዩ"።
ናይዚ ኣሉታዊ ጽልዋ ብክልተ መገዲ ዝገልጽ ኣይተ ፈይሰል፡ እቲ ህዝቢ ልክዕ ከምቲ ዝሓለፉ 27 ዓመታት መንግስቲ ዝገብሮ ዝነበረ ኣሰራርሓ'ዩ ዝትግበር ዘሎ ዝብል ስግኣት ከሕድር ይኽእል ዝብል እቲ ሓደ'ዩ።
ኣብቲ ክልል ዘሎ ዘይምርግጋእ'ዉን ካልእ ናይ ባዕሉ ጸገም ዘለዎ ኮይኑ፡ እዚኦም ጎናዊ ጸገማት ብምዉላድ፡ ነገራት ናብ ምብትታን ክመርሕዎ ይኽእሉ'ዮም ዝብሉ ዓበይቲ ስግኣታቱ የቐምጥ።
"እቲ ሓድሽ ኣመራርሓ፡ ንቲ ህዝቢ ሓድሽ መዓልቲ ከምዝኾነ፣ ነገራት ከምቲ ብፌደራል መንግስቲ ዝትኮቡ ዝነበሩ ከምዘይኾኑን እቲ ምምሕዳር ካብቲ ህዝቢ ዝወጽአ'ዩ ዝብልን ኣተሓሳስባ ክፈጥር ኣለዎ" ኢሉ።
ዉሽጣዊ ጉዳያት መጻኢስግኣት 'ዮም
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብሄር፣ ወሰንን ካልኦትን ምኽንያት ብምግባር ዝለዓሉ ጎንፅታት ብዙሓት'ዮም።
መንግስቲ ኣብ ምኽባር ሕግን ስርዓትን ዝሰርሖ ስራሕ እንተድኣ ዘይሃሊዩ፣ ሕቶ ብሄራት ምምላስ እንተዘይጀሚሩ፡ እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ጸገም ክትጥሕል ትኽእል'ያ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
"እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር ዝኣተዎ ቃል ግብራዊ ክገብር ኣለዎ። ግዘ ከይወሰደ፡ ጸገማት ብቕልጡፍ ክፈትሕ ንሓትት። ብሄራት ይጋጨዉ'ዮም ዘለዉ። ኣብ ክልላት ሶማሌን ኦሮሚያን ዝርአ ዘሎ ህዝቢ ዘይዉክል ፖለቲካዊ ጸገም ፍታሕ እንተዘይተዋሂቡዎ፡ እታ ሃገር ናብ ሕማቕ መገዲ ክመርሓ ስለዝኽእል፡ ብዝሃድአ መንፈስ ክፍትሑ ኣለዎም" ክብል ይሓትት ሓላፊ ቢሮ ኮሚዩኒኬሽን ግንባር ኦብነግ፡ ኣይተ ሀሰን አብዱላሂ።
እዞም ጎንፅታትን ምምዝባል ዜጋታት፣ ሞትን ዕንወትን የስዕቡ ስለዘለዉ፡ "እታ ሃገር ከም ሶርያን ሶማሊያን ከይተሓመሰት እዞም ጸገማት ብቕልጡፍ ፍታሕ ክወሃቦም ንሓትት" እዉን ኢሉ።
ኣብ ቀጻሊ ናይዛ ሃገር ዓብዪ ፈተና ክኸዉን ዝኽእል፡ ሕዚ ዝቕጽሉ ዘለዉ ጎንፅታት'ዮም ዝብል መስራቲ ዋርድ ሄር ኒውስ ዶት ኮም ፈይሰል ሮቤል፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዞም ጉዳያት እዚኣቶም ዝሕል ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን ይብል።
"እቲ ቀጠና ንምርግጋእ እንትሕሰብ፡ ኣብ ዉሽጢ ዘለዉ ዘይምርድዳኣት ትኹረት ክወሃቦም ይግባእ። እቲ ቐዳማይ ሚኒስትር፡ ነዞም ጸገማት ኣብ ምፍታሕን ዘተታት ኣብ ምክያድን ምዝሓሉ ጽቡቕ ኣይኾነን"።
ስለዝኾነ ድማ፤ እቶም ዝርኣዩ ዘለዉ ጎንፅታት ዝከታተል ኣወዳድባ ብምጠያስ፡ ዘላቒ ፍታሕ ናብ ዝህብ ስራሕ ክኣቱ ኣለዎ ዝብል መእሰሪ ዘረባ ይህብ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







