ኣብ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ፡ ተወለድቲ ትግራይ ብመናእሰይ ተጠቒዕና ይብሉ

ምንጪ ስእሊ, Google Maps
ኣብ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ወረዳ ሁሩሙ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ብመናእሰይ እቲ ከባቢ፡ ጥሪቶምን ንብረቶምን ተዘሚቶም ንድሕንነቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ስሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ሓደ ካብቶም ተመዛበልቲ፡ 18 ዝኾኑ ሰድራ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን መረበቶም ገዲፎም ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ኣፅሊሎም ከምዝርከቡ ይገልፅ።
"ንሕና ብዘይንፈልጦ ምኽንያት፡ ገዛና ብኣእማን ወቒዖም ኣፍሪሶሞ። ንብረትና ኩሉ ዘሚቶም ኣሳቕዮምና። ሕዚ ካብ ኣኼባ ሃዲምና ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን ኢና ኣዕቑብና ዘለና። ኩሉ ገዲፍና ኢና ሃዲምና" ኢሉ።
ዛጊድ ጉድኣት ዝበፅሖ ሰብ ከምዘየለ ዝተዛረበ እዚ ምንጭና፡ "ኣብ ጭንቀት ኢና ንርከብ" ይብል።
ኣብ ዞባ ኢሉ ኣባቦራ ወረዳ ሁሩሙ፡ ሓላፊ ፀጥታን ድሕንነትን ኣይተ ኣብይድ ዓብዱ ግን "በቲ ህዝቢ ዝበፅሖም ፍሉይ ጥቕዓት የለን" ዝበለ እንትኾን፡ ንብረቶም ሒዞም እዮም ካብ ገጠር ናብ ከተማ ሃዲሞም ክብል ምላሽ ሂቡ።
ንምንታይ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ካብ ዝተቐመጥሉ ዓዲ ክሃድሙ ተገዲዶም ንዝብል ድማ ኣይተ ኣብይድ ሕሉፍ ታሪኽ ይጠቅስ።
"ኣብ 2006 ዓ/ም ሰብ ቀቲሉ ተኣሲሩ ዝነበረ፡ ሓደ ተወላዲ ትግራይ ምስተፈትሐ፡ ብመሰረት ባህልና ምስቲ ማሕበረሰብ ብዕርቂ ክፅምበር እንትሕተት ፍቓደኛ እንተይኮነ ተሪፉ፡ ናብ ትግራይ ከይዱ" ይብል።
ዕርቂ ዘይደለየሉ ምኽንያት እንታይ እዩ ዝብል ሕቶ ምስተላዕለ ድማ፡ እዞም ተወለድቲ ትግራይ ክሃድሙ ከምዝጀመሩ ይገልፅ።
እቶም ተመዛበልቲ ግን ጥቕዓት ምስበፅሖም ከምዝሃደሙ እዮም ዝዛረቡ። "ካብ 1977 ዓ/ም ጀሚርና ን33 ዓመታት ኣብዚ ከባቢ ኢና ነቢርና።" ዝበለ ሓደ ካብኣቶም፡ መናእሰይ ናይቲ ኸባቢ መጥቃዕቲ ከምዝፈፀሙሎም እዩ ዝገልፅ።
"ዓበይቲ ግና ኣይነኹእናን" ክብል ድማ ወሲኹ።
ኣብ መንጎ እቶም ተመዛበልቲ ክሳብ ሽድሽተ ቆልዑ ዝሓዛ ኣደታት ከምዘለዋ 'ውን ሓቢሩ።
"ከፍቲ፣ 100 ዝኾና ደርሆ፣ ኣባጊዕን ኣጣልናን ዘሪፎምና" ዝበለ እዚ ምንጪ ሓበሬታ፡ ንህይወቶም ኣብ ዘስግእ ኩነታት ከምዘለዉ እዩ ዝዛረብ።
ኣይተ ኣብይድ ዓብዱ ግን እቶም ተመዛበልቲ ናብ ቤቶም ክምለሱ ፃዕሪ ይግበር ከምዘሎ እዩ ዝገልፅ።
ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ኣባገዳን ህዝብን ብምዃን፡ እቶም ዝሃደሙ ተወለድቲ ትግራይ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ንሓቶም ኣለና ይብሉ።
ካብ ሞንጎ እቶም ተመዛበልቲ ነቷጊ ሒዙ ዝተረኸበ ውልቀ ሰብ ምንባሩን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝወዓለን 'ውን ኣይተ ኣብይድ ሓቢሮምልና።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







