ብሕታዊ ጻዕዳ ዘራፍ መቆጻጸሪ ‘ጂፒኤስ’ ተገጢምሉ

ዘራፍ

ምንጪ ስእሊ, ISHAQBINI HIROLA COMMUNITY CONSERVANCY

ኣብ ዓለም ዝፍለጥ ብሕታዊ ጻዕዳ ዘራፍ፡ ካብ ሃደንቲ ንምክልኻል ምንቅስቓሱ ዝቆጻጸር ‘ጂፒኤስ’ ከምዝተገጠመሉ ተሓለቕቲ ገሊጾም።

በዚ ድማ ሓለውቲ ገረብ በብግዚኡ ክከታተሉዎ ከምዘኽእሎም እቶም ተሓለቕቲ ሓቢሮም።

እቲ ዘራፍ ብምኽንያት ሳሕቲ ዘጋጥም ‘ልዩሲዝም’ ዝተባህለ ሕብሪ ቆርበት እንስሳት ዘጥፍእ ሕማም እዩ፡ ጻዕዳ ሕብሪ ክህልዎ ክኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ክልተ ዓሌቱ ምስተቐተሉ ድማ፡ ንሱ ኣብ ዓለም እቲ ብሕታዊ ጻዕዳ ዘራፍ ከምዝኾነ እዩ ዝግመት።

ንሱ እውን ተመሳሳሊ ዕጫ ከየጋጥሞ ሓለውቲ እንስሳት ይሰግኡ።

ሬሳ ናይቶም ክልተ ዓሌቱ፡ ኣብቲ ንሱ ዝርከበሉ ሰሜን ምብራቓዊ ኬንያ ግዝኣት ጋሪሳ እዩ ተረኺቡ።

ዝሓለፈ 8 ሓዳር እቲ መቆጻጸሪ መሳርሒ ኣብ ሓደ ቀርኒ እቲ ዘራፍ ከምዝተገጠመ ማሕበረሰብ ሓለዋ እቲ ከባቢ ኣፍሊጡ ኣሎ፡

እቲ መሳርሒ ሓለውቲ በቢሰዓቱ ዘለዎ ከባቢ ክፈልጡ ስለዝሕግዝ ‘‘ነቲ ፍሉይ እንስሳ ካብ ሃደንቲ ንምሕላው’’ ከምዘኽእል እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡

ጸዓዱ ዘራፍ፡ ኣብ 2016 ኣብ ኬንያ እዮም ንፈለማ እዋን ተረኺቦም፤ ኮይኑ ግና ቅድም ኢሎም ኣብ ታንዛንያ ተራእዮም ነይሮም፡፡

ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ኬንያዊት ግዝአት ጋሪሳ ሓንቲ ጻዕዳ ዘራፍ ምስ ውላዳ ዘርእይ ፎቶ ምስተርኣየ ሃለዋት ጸዓዱ ዘራፍ ኣብ ሚድያታት መዘራረቢ ኮይኑ ነይሩ፡፡

ኣብ 15 ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርከብ ዓሌት ዘራፍ፡ ኣብ ዓለም ብቑመት ዝነውሐ ዓሌት መጥበውቲ ኮይኑ፡ ንቆርበት፣ ስጋን ክፍሊ ኣካላቶምን ክበሃል ንዘይሕጋውያን ሃደንቲ ዝተቓልዑ እዮም፡፡

ኣስታት 40 ምኢታዊት በዝሒ ዘራፍ፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ከምዝጠፍኡ ዝሕብር ‘ኣፍሪቃ ዋይልድላይፍ ፋውንዴሽን’፡ዘይሕጋዊ ሃደንን ምዝውዋር ስንስሳትን ቀንዲ ምኽንያታት ከምዝኾኑ ይሕብር፡፡

ዓሌት ዘራፍ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ብምባል ዝገለጾም ዓለማዊ ሕብረት ንዕቀባ ተፈጥሮ (ኣይዩሲኤን) ብወገኑ ኣብ ዓለም ዘሎ በዝሒ እዞም እንስሳ 68,293 ከምዝግመት የመልክት፡፡