ብ1.9 ሚልዮን ዶላር ዝተሸጠት ተቐዳዳሚት ርግቢት ክብረወሰን ሰይራ

ኒው ኪም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኒው ኪም ኣብ ብርክት ዝበሉ ቅድድማት ተዓዊታ እያ

ኣብ በልጅዩም ሓንቲ ተቐዳዳሚት ርግቢት ብ 1.6 ሚልዮን ዩሮ (1.9 ሚልዮን ዶላር) ድሕሪ ምሻጣ ክብረወሰን ከም ዝሰበረት ተገሊጹ።

እታ ኒው-ኪም ዝተሰምየት፡ ክልተ ዓመት ዝዕድመኣ ርግቢት ፈለማ ብ200 ዩሮ እኳ ንጨረታ እንተቐረበት ኣብ መወዳእትኡ ሓደ ቻይናዊ ነጋዳይ በቲ ክብረወሰን ዝሰበረ ዋጋ ከም ዝተዓወተላ ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ወናኒ እታ ርግቢት ኩርት ቫን ዴ ዎወር በቲ ዜና ከም ዝሰንበደ ተዛሪቡ።

ኣብ ዕዳጋ ርግቢ ክብረ ወሰን ሒዙ ዝጸንሐ ኣርማንዶ ዝተባህለ ርግቢ፡ ኣርባዕተ ዓመት ዝዕድመኡ ተባዕታይ ኮይኑ፡ ብ1.25 ሚልዮን ዩሮ እዩ ተሸይጡ።

ኣርማንዶ ኣብ 2019 ናብ ዕዳጋ ኣብ ዝወረደሉ፡ ካብ ውድድር ተኣልዩ፡ ብዙሓት ወሊዱ ነይሩ።

ኒው ኪም ኣብ 2018፡ ሃገራዊ ማእከላይ ርሕቐት ዝርከቦም፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ቅድድማት ተዓዊታ እያ። ብድሕሪኡ ግና ጡረታ ወጽያ።

ከም ኣርማንዶ፡ ኒው ኪም'ውን ኣብ መንጎ ክልተ ቻይናውያን ድሕሪ ዝተኻየደ ሓያል ውድድር ጨረታ እያ ተዓዲጋ።

ኣብ ቻይና ውድድር ቅድድም ርግቢ ኣዝዩ ህቡብ እናኾነ እዩ ዝመጽእ ዘሎ።

ተቐዳደምቲ ርግቢ ክሳብ ከባቢ 10 ዓመት ክወልዱ ይኽእሉ እዮም፤ ወናኒ ኒው ኪም'ውን ንምርባሕ ደልዩዋ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።

እንተኾነ ግና እዚ ነቲ ዕዳጋ ዝያዳ ዘይንቡር ከም ዝገበሮ እቶም ኣጫረትቲ ተዛሪቦም።

መስራትን ኣካያድን ስራሕ ቤት ጨረታ ፒፓ፡ ኒኮላስ ጊሰልበረች ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ኣንስተይቲ ብምዃና እዚ ዋጋታት ክብረ ወሰን ዘይእመን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ ተባዕታይ ይኸብር፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ከፍርይ ስለዝኽእል" ኢሉ።

ኣብ በልጅዩም ብኣፍረይቲ ርግቢ ፍልጥቲ ኮይና፡ ከባቢ 20 ሽሕ ኣፍረይቲ ርግቢ ከምዘለው ጊሰልበረች ይዛረብ። ብ1.9 ሚልዮን ዩሮ ዝተሸጠት ርግቢት ክብረወሰን ሰይራ