ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስትን ቀንዲ ተቃዋሚኡን ሰላም ክገብሩ ከምዝተሰማምዑ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራን ቀንዲ መወዳድርቱ ሄንሪ ኮናን በዲይን ኣብታ ሃገር ንሳምንታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዕግርግር፡ ሰላም ክፈጥሩ ከምዝተሰማምዑ ገሊጾም።
ኣብ ኣይቮሪኮስት ኣከራኻሪ ዝኾነ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ድሕሪ ምክያዱ እዩ ኣብታ ሃገር ዕግርግር ተላዒሉ።
ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራን ቀንዲ መወዳድርቱ ሄንሪ ኮናን በዲይን ብሮቡዕ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ከተማ ኣቢጃን ‘ኣገዳሲ’ ዝብልዎ ዝርርብ ድሕሪ ምክያዶም ብሕጂ’ውን እቲ ዘተ ከምዝቅጽልዎ ገሊጾም ኣለዉ።
መንግስቲ ኣይቮሪኮስት ድሕሪ እቲ ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ ንሳልሳይ እብረ ፕረዚደንት ኮይኑ ምምራጹ ዝተወለዐ ዕግርግር 85 ሰባት ከምዝተቐተሉ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ውጽኢት ኣከራኻሪ ምኳኑ’ዮም ብዙሓት ዝዛረቡ።
እቲ ውጽኢት ድሕሪ ምቅልሑ ብዙሓት መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ነቲ ውጽኢት ስለዘይተቐበልዎን ብተወዳደርቲ ዝቖመ ምምሕዳር ክምስርቱ ስለዝተሰናድኡን ብመንግስቲ ተኣሲሮም እዮም።
ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራ ድሕሪ’ቲ ምስ ቀንዲ መወዳድርቱ ሄንሪ ኮናን በዲይን ዝገበሮ ዘተ ናብ ጋዜጤኛታት ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ቃል እታ ናይ መጀመርታ ምልእቲ ሓሳቡ “ምትእምማን ዳግማይ ተፈጢሩ’ዩ” ትብል እያ ነይራ።
እንተኾነ ከምቲ ልሙድ ፕረዚደንት ኣይቮሪኮስት ኣላሳነ ኦታራን ቀንዲ መወዳድርቱ ሄንሪ ኮናን በዲይን ኣብ ቅድሚ ጋዜጤኛታት ሰላም ክብሃሃሉ ኣይተራኣዩን።
ሄንሪ ኮናን በዲይን ዝመርሖ ሰልፊ ፒዲሲኣይ ቅድሚ ምስ ፕረዚደንት ኣላሳነ ኦታራ ናብ ዘተ ምቅራቡ: ክምለሱ ኣለዎም ዝበሎም ቅድመ ኩነታት ኣቐሚጡ ነይሩ እዩ።
እቲ ተቃዋሚ ሰልፊ ንውጽኢት እቲ ኣብ 31 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ከምዘይቕበሎ እዩ ዝሕብር።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







