'ሃገራዊ መረፃ ኣብ ወርሒ ጉንበት ክካየድ'ዩ'፡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ

ምንጪ ስእሊ, NEBE
ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ወይ መጀመርታ ወርሒ ሰነ 2013 (2021) ክካየድ ቦርድ መረፃ ኣሚሙ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ብብርኪ ሃገር ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ መረፃ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ እዩ ዝግለፅ።
ብመሰረት ሓበሬታ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ሰራሕተኛታት ናቑጣታት መረፃ ካብ መፋርቕ ወርሒ ታሕሳስ ክሳብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ክስልጥኑ እዮም።
ካብ መፋርቕ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሳልሳይ ሰሙን ወርሒ ለካቲት ምዝገባ መረፅቲ ክካየድ እዩ።
ምዝገባ ሕፁያት ተወዳደርትን ጎስጓስ መረፃን ድማ ካብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ ከምዝካየድ ቦርድ ዕላዊ ጌሩ ኣሎ።
ቅድም ክብል እቲ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝመጽእ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሚልዮን መረፅቲ ክሳተፉ ትፅቢት ከምዝግበር ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ 23 ነሓሰ 2012 ክካየድ መደብ ዝተታሕዘሉን ምድላዋት ተጀሚርሉን ዝነበረ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ከምዝተናውሐ ቦርድ መረፃ እታ ሃገር ኣፍሊጡ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ካብዚ እዋን ጀሚሩ ጉዳይ መረፃ፡ ንውድባት ህወሓትን ብልፅግናን፡ ዝመርሕዎም መንግስታትን ከተፋንኖም ተራእዩ።
ድሕሪ'ዚ፡ ሕገ መንግስታዊ ትርጓመ ብምንዳይ፡ ብ5 ግንቦት 2020 መረፃ ተናዊሑ ስልጣን ቀዳማይ ሚኒስተርን ስልጣን ባይቶታት ሃገርን ክልላትን ፌደሬሽንን ተናዊሑ።
ይኹን'ምበር እቲ ብቐደሙ'ውን ሃገራዊ መረፃ ንምክያድ ድሌት የለን ዝብል መርገፂ ዝነበሮ ህወሓት፡ ነቲ ውሳነ ብምንፃግ፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ባይቶ ክልሉ ብምውሳድ፡ ክልላዊ መረፃ ክካየድ ወሲኑ።
ሃገራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ግና፡ ትግራይ መረፃ ክተካይድ ከም ዘይትኽእል፤ እንተተኻይዱ ድማ ሕጋዊ ከም ዘይኸውን እንትገልፅ እቲ ምትፍናን እናዓበየ መፂኡ።
'ጉዳይ መረጻ ሕጋውን ዴሞክራሲያውን መሰል ስለ ዝኾነ፡ ነቲ መረጻ ክነካይዶ ኢና፤ ነዚ ዝኽልክለና ሓይሊ የለን' ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ድማ መረፃ ምክያድ ዝንኣሰ መሰል ዓርሰ-ውሳነ ከምዝኾነ ብምግላፅ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ 04 ጳጉሜን (መስከረም) ናይ ባዕሉ መረፃ ኣካይዱ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 መስከረም፡ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ 'መንግስቲ ፌደራል ዘበን ስልጣኑ ስለዘብቀዐ፡ ኣፍልጦ ኣይህቦን' ክብል ብወግዒ ኣዊጁ እዩ። ገዛኢ ውድብ ናይ'ቲ ክልል፡ ኣብ ፌደራል ስልጣን ዝነበሮም ኣባላቱ መዝነቶም ክገድፉ'ውን ፀዊዑ እዩ።
ድሕሪ'ዚ፡ መንግስቲ ፌደራል ምስ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ርክብ ከይህልዎ ወሲኑ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







