እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብሓድሽ ርኽበት መድሃኒት ኮቪድ-19 ዝተሸለመት ጓል 14 ዓመት ተመሃሪት
ገና ጓል 14 ዓመት’ያ ዘላ፤ ኣብዚ ንኡስ ዕድሜኣ ግን መድሃኒት ኮቪድ-19 ንምርካብ ትሰርሕ ኣላ።
ኣኒካ ቸብረሉ ተማሃሪት ካልኣይ ደረጃ ፍሪስኮ ኮይና ኣብ ቴክሳስ፡ ኣመሪካ ትነብር።
ንሳ ብዝገበረቶ ምርምር፡ ኮሮናቫይረስ ከመይ ገይሩ ንሰብ የጥቅዕ ክሕብር ዝኽእል ‘ሞሎኩል’ ክትረክብ ክኢላ።
በዚ ጓል 14 ዓመት ኣኒካ ቸብረሉ ‘ዝንኣሰትን ዝበለጸትን ተመራማሪት መንእሰያ ኣሜሪካ’ ዝብል ሽልማት ብምርካብ ናይ 25 ሽሕ ዶላር ገንዘባዊ ሽልማት ተበርኪቱላ።
ኣብዚ ዓመታዊ ዝግበር ወድድር ካብ 10 ክሳብ 14 ዕድሚኦም ህጻናት የዐውተና እዩ ዝበልዎ ርኽበታትን ምህዞታት ብተንቀሳቓሲ ምስሊ ኣሰንዮም ናብ ኣዳላውቲ እቲ ውድድር ይሰድዎ።
ቀንዲ ፕሮቲን
ሳርስ ኮቭ 2፡ እቲ ኮቪድ 19 ዘስዕብ ዓይነት ቫይረስ ኮይኑ፡ እቲ ቫይረስ ብኣክሊል መሰል ክቢ ዝተኸለለ እዩ።
እቲ ኮሮናቫይረስ ዝብል ቃል’ውን ካብዚ ዝነቐለ ኮይኑ ኮሮና ብቋንቋ ላቲን ኣኽሊል ማለት እዩ።
እቲ ነቲ ቫይረስ ከቢብዎ ዝርከብ ኣክሊል መሰል ዓንኬል ብፕሮቲን ኤስ ዝቖመ ኮይኑ፡ እዚ ፕሮቲን ነቲ ቫይረስ ብምክልኻል ንዋሃዮታት ንከጥቅዕ ባይታ የጣጥሐሉ።
ንዕኡ ምጥቃዕ ማለት ነቲ ቫይረስ ንዋሃዮታትና ከየጥቕዕ ከም ምክልኻል ስለዝኾነ፡ ብዙሓት ተመራመርቲ መድሃኒት ወይ ክታበት ኮቪድ 19 ንምርካብ ነቲ ፕሮቲን እዮም ዘጽንዑ።
ኣኒካ ቸብረሉ ዝገበረቶ መጽናዕቲ’ውን ነዚ ምርኩስ ዝገበረ ኮይኑ ብዛዕባ ነቲ ቫይረስ ኣኽቢቡ ዝሽፍኖ ዓይነት ፕሮቲን እዩ ነይሩ።
ኣኒካ ብዛዕባ ዝገብረቶ ስራሕ ምስ ቢቢሲ ‘ብኢመይል’ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ጽሑፍ ቃለ መሕተት “ኣነ ብዛዕባ ሞሎኲል እየ መጽናዕቲ ገይረ። እዚ ሞሎኲል ምስ ፕሮቲን ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ ንቅርጽን ጥቅምን ነቲ ንኮሮናቫይረስ ሸፊኑ ዝሓዞ ፕሮቲን ኤስ ክቅይሮ ዓቢ ተኽእሎ ኣለዎ” ኢላ።
ብምስዓብ “እዚ ርኽበት እቲ ቫይረስ ንዋሃዮታት ደቂ ሰባት ንከየጥቅዕ ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ እዚ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ንከይመሓላለፍ ሓጋዚ ክኸውን እዩ” ትውስኽ።
ጓል 14 ዓመት ኣኒካ ቸብረሉ፡ ነዚ ርኽበት እዚ ‘ኢን ሲልኮ’ ብዝብሃል ኣገባብ ምርምር ብብዙሓት ‘ሶፍትዌራት’ ተሓጊዛ እያ ኣካይዳቶ።
ናይ ብዙሓት ሞሎኲላት ባህሪ ብምጽናዕ ኣብ ዋዒ ዘለዎም ናይ ምምጣጥን ናይ ጭባጥን ተኽእሎ፣ ኣገባብ ኣዘረጋግሐኦም፣ ምስ ዋሃዮ ክራኸቡ ከለዉ ዘርእይዎ መልሰ ተግባርን ቀልቀሎምን ኣጽኒዓ።
ድሕሪ እዚ መጽናዕቲ፡ እቶም ሞሎኲል ምስ ፕሮቲን ኤስ ከምኡ እውን ምስ ሳርስ ኮቭ 2 ዘለዎም ርክብ ከተጽንዕ ፈቲና።
እቲ ዝተረኸበ ውጽኢት እዩ ድማ ከሸልማ ክኢሉ።
ምኽንያቱ ነቲ ባህሪ ናይ ሞሎኲል ብምጽናዕ ነቲ ንሳርስ ኮቭ 2 ሸፊኑ ዝከላኸለሉ ፕሮቲን ኤስ ዘጥቅዕ መድሃኒት ወይ ክታበት ንምርካብ ነቲ መንገዲ ከቅልሎ እዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ።
ኣቐዲሙ ዝነበረ መጽናዕቲ
ኣኒካ ቸብረሉ ኮሮናቫይረስ ኣዘራረቢ ከይኮነ እንከሎ እያ ኣብቲ ትምሃረሉ ቤት ትምህርቲ ምርምራዊ መጽናዕቲ ከተካይድ ጀሚራ።
ንሳ “ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ነቲ ብስፓኒሽ ፍሉ ዝፍለጥ ኣብ 1918 ዝነበረ ለበዳ ንትምህርታዊ መጽናዕቲ ኢለ ክመራመረሉ ምስ ጀመርኩ በቲ ቫይረስን መድሃኒት ንምርካብ ዝተገበሩ ነገራትን ተምሳጥ ክሓድረኒ ጀሚሩ” ኢላ።
ነዚ መጽናዕቲ እዚ እናካየድት ከላ ድማ እያ ብዛዕባ እቲ ‘ኢን ሲልኮ’ ዝብሃል ኣገባብ ምርምር ክትፈልጥ ክኢላ።
“ነቲ ሞሎኲል ብምጽናዕ መድሃኒት እቲ ሕማም ክርከብ ከም ዝከኣል ምስ ተረዳእኩ ኣዝየ እየ ተገሪመ” ድማ ትብል።
ኮቪድ 19 ምስ ጀመረ’ውን ነቲ ኣቐዲማ ተረዲኣቶ ዝነበረት ኣገባብ ተጠቂማ መጽናዕታ ከም ዝጀመረት ትሕብር።
“ብዛዕባ ለበዳ፡ ቫይረስን መድሃኒትን ንነዊሕ ምስ ኣጽናዕኩ፡ እዚ ኩሉ ክግበር እናተኻኣለ ክሳብ ሕጂ በዚ ለበዳ ንሳቐ ምህላውና ከኣ ግርም እዩ ዝብለኒ” ትብል።
ኣኒካ ቸብረሉ ብሓገዝ ኣዲኣ ማሕፉዛ ዓሊን፡ ነቲ ሽልማት ዘዳሉ 3ኤም ሳይንትስት ዝተሰመየ ትካልን ዘካደቶ ምርምር፡ ብዛዕባ ሳርስ ኮቭ 2 ከምኡ ድማ ብዛዕባ ፕሮቲን ኤስ ክኸውን ክኢሉ።
ክሳብ 28 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ኣብ ቻይናዊት ከተማ ውሃን ዝጀመረ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ሰባት ቀቲሉ ኣሎ።
ኣሜሪካ እታ ዝለዓለ ሞት ኣመዝጊባ ዘላ ሃገር ኮይና ኣብታ ሃገር ልዕሊ 226,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ንዝርግሐ ኮሮናቫይረስን ቁጽራዊ ኣሃዝ ሞትን መልከፍትን እናተኸታተለ ዘፍልጥ ዩኒቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ይሕብር።
ተወሳኺ መጽናዕቲ
ተመራመርቲ ኣኒካ ቸብረሉ ዘካየደቶ መጽናዕቲ ከም ሓደ ዓወት ብምቕባል፡ እቲ ንሳ ዝረኸበቶ ሞሎኲል መድሃኒት ኮቪድ-19 ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል ዝብል ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ይገልጹ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮሎምቢያ ተመራማሪት ቫይረሳት ኣንጄላ ራስሙሰን “ኣኒካ ቸብረሉ ነዚ መጽናዕቲ እዚ ምክያዳ ኣዝዩ ዝንኣድ ነገር እዩ። ዕድሚኣን ደረጃ ትምህርታን ምስ ዘከርካ ድማ ዝያዳ ንክትንእዳ ትድረኽ፤ ዝበለጸት ተመራማሪት ንኽትኸውን ምሉእ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢላ።
ኣንጄላ ራስሙሰን ብምስዓብ "እቲ ዝተኸተለቶ ኣገባብ መጽናዕቲ ኣዝዩ ዝንኣድ እኳ እንተኾነ እቲ ሞሎኲል ምስ ፕሮቲን ኤስ ዘለዎ ርክብ ብ’ዳታ’ ክስነ ስለ ዘለዎ ተወሳኺ መጽናዕትታት ከድልዩ እዩ” ብምባል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ካልእ ቢቢሲ ዝተወከሶ ተመራማሪ’ውን እቲ ርኽበት ብዙሕ መጽናዕቲ ናይ ቤተ ፈተነ ከም ዘድልዩ እዩ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ናይ መጻኢ ውጥን
ኣኒካ ቸብረሉ ነቲ ዝተውሃባ ገንዘባዊ ደገፍ ኣብ ምንታይ ከምእተውዕሎ ውጥን ኣውጺኣትሉ ከም ዘላ እያ ንቢቢሲ ሓቢራ።
“እዚ ተዋሂብኒ ዘሎ 25 ሽሕ ዶላር ነዚ ጀሚረዮ ዘለኹ መጽናዕቲ ንክቕጽለሉን ህጻናት ምርመራት ንኽገብሩ ንዝሕግዝ ‘ኣካዳሚ ኣይድ’ ዝተሰመየ ዘቆምክዎ ማሕብር ንምድጋፍን ክጥቀመሉ እየ” ኢላ።
ብምስዓብ “ዝተረፈ ድማ ኣብ ኮሌጅ ንኽምሃረሉ ክዕቅቦ’የ” ትብል።
ካልኦት ኣብ ሳይንሳዊ ምርምራት ዝንባለ ዘለዎም ህጻናት እንታይ ክትብልዮም ትደልዪ? ተባሂላ ተሓቲታ።
"ሕቶ ምሕታት ኣይተቋርጹ፣ ኣብ ገዛእ ርእስኹም ምሉእ ምትእምማን ይሃሊኩም፣ ንዝኾነ ዝርኣኽሞን ዝሓሰብክሞን ኣብ ረብሓ ከተውዕልዎ ፈትኑ” ዝብል ምኽሪ ለጊሳ።