ኣምሓራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ 1700 ህጻናት ኣብ ዘይዕድሚአን ተመርዒወን

ዝተመርዐት ጓል ኣንስተይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ምስ 'ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ' ከምኡ'ውን ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻዎም መርዓ ትሕቲ ዕድመ ከም ዝወሰኸ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህጻናትን መናእሰይን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ጎስጓስ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ እቲ ቢሮ ጉደያት ኣቶ ስማቸው ዳኜ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ 2012 ዓ.ም ጥራሕ፡ ልዕሊ 1700 መርዓ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ተፈጺሙ።

ሓበሬታ ናይ ምርካብ ዝተዋደደ ስርዓት ስለ ዘየለ'ምበር እቲ ቑጽሪ ልዕሊ እዚ ክኸውን ከም ዝኽእል ድማ ይግምት።

ኣብዝሓ ትሕቲ ዕድመ መርዓ፡ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ንምህዳም ብሕቡእ ዝፍጸም ስለ ዝኾነ፡ ብዙሕ ወግዓዊ ከይኮነ ዝተርፍ ከም ዘሎ'ውን ተዛሪቡ።

ቅድሚ ክስተት ኮቪድ-19፡ ቑጽሪ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ምንካይ ኣርእዩ ነይሩ'ዩ ዝበለ ኣቶ ስማቸው፡ ዘእርግሐ እቲ ቫይረስ ንምግታእ ትምህርቲ ምስ ተቛረጸ ግን መሊሱ ወሲኹ ኢሉ።

ግንዛበ ሕብረተሰብ ትሑት ምዃኑ፣ ሽቕለት ኣልቦነትን ካልኦት ቁጠባዊ ጉዳያትን ነቲ ኩነታት ከም ዘጋደድዎ'ውን ገሊጹ።

ኣብያተ ትምህርቲ ምስ ተኸፍቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ምርካብ ከም ዝካአል እውን ይዛረብ።

ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ሰሜንን ደቡብ ወሎን፣ ምብራቕ ጎጃምን ደቡብ ጎንደርን እቲ ኩነታት ዝኸፍአ ከም ዝኾነ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ጎጃም ግጉይ ርድኢት ከም ዘሎ ዝገልጽ እቲ ዳይሬክተር፡ ጎናጎኒ ምክልኻል ኮሮናቫይረስ፡ መርኣ ትሕቲ ዕድመ ኣድሂቡ ወለንተኛታት ዘሳተፈ ግንዛቤ ናይ ምፍጣር ስራሕቲ ከም ዝተሰርሐ ይዛረብ።

ካብ 2012 ክሳብ 2017 መርኣ ትሕቲ ዕድመን ምኽንሻን ደቂ ኣንስትዮን ንምውጋድ ዝዓለመ ሃገራዊ ናይ 5 ዓመት መደብ ወጺኡ ነይሩ።

ኮቪድ-19 ናብ ኢትዮጵያ ምስ ኣተወ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 500 ትሕቲ ዕድመ መርዓ ክቋረጽ ከም ዝተገብረ መረዳእታት ይሕብሩ።

ዩኒሴፍ እንታይ ኢሉ ነይሩ?

ኤጀንሲ ረድኤት ህጻናት ውድብ ሕቡራት ሃገራት-ዩኒሴፍ ኣብ 2019 ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ትሕቲ ዕድመ መርዓ ካብ ዝካየደሎም 50 ወረዳታት ውሽጢ፡ እቶም 23 ኣብ ክልል ኣምሓራ ከም ዝርከቡ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዝብሎ፡ ትሕተ ዕድመ መርዓ ብምትራፍ 1.5 ሚኢታዊ ዓመታዊ ኣታዊ ምርካብ ይከኣል ነይሩ።

ኣብ ክሊ ትምህርቲ ድማ፡ ትሕተ ዕድመ መርዓ እንተዝተርፍ፡ እቶም ህጻናት ትምህርቶም ተኸታቲሎም ዓመታዊ 646 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዘምጽኡ ይገልጽ።