ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ብድቢ ተነኺሱ ዝተቐትለ ሰራሕተኛ መካነ-እንስሳ ቻይና

ክልተ ድብታት እናተባእሱ ዘርኢ ናይ ቀደም ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቻይና፡ ሓደ ሰራሕተኛ መካነ-እንስሳ ሻንግሃይ፡ ኣብ ቅድሚ በጻሕቲ ብድቢ ከም ዝተቐትለ ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብቲ መካነ-እንስሳ ዘገዳም ሻንግሃይ ኣብ ዝርከብ፡ "ማሕድሮ ኣራዊት በረኻ" ዝተባህለ ክፋል'ዩ ተፈጺሙ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ ኪምዘርእዮ፡ ኣብ ኣውቶቡስ ተሰቒሎም ነቶም ድቢ ክርእዩ ዝመጹ በጻሕቲ ክውጭጩ ይስምዑ።

ሰብመዚ ናይቲ መካነ-እንስሳ፡ ንቤተሰብ እቲ ግዳይ ይቕሬታ ብምሕታት፡ ድሕነት ሰራሕተኛታት ንምውሓስ ምምሕያሽ ክገብሩ ምዃኖም ቃል ኣትዮም።

እቲ ትካል በቲ "ዘስካሕክሕ ሓደጋ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነ" ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ። ነቶም ነቲ ዘሕዝን ፍጻመ ዝተዓዘቡ በጻሕቲ'ውን ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።

ብሰንኪ'ዚ፡ እቲ መካነ-እንስሳ ንግዚኡ ተዓጽዩ ምህላዉ ብምግላጽ፡ በጻሕቲ ትኬቶም ከም ዝተመልሰሎምን፡ ውሕስነት ንምርግጋጽ ድሮ ኣድላዪ ለውጥታት ገይሮም ከምዘለዉን ተዛሪቡ።

እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ሓያሎ ድቢታት ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡን እቶም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ዝነበሩ በጻሕቲ እውዩን ዘርኢ እዩ።

ሓደ ሰብ ኣብቲ ቪድዮ "ሓደ ሰብ ኣሎ ኣብኡ" ክብል ይስማዕ። ኣብቲ፡ በጻሕቲ ኣብ ውሽጢ መኪና ኮይኖም ጥራይ ክዕዘቡ ዘፍቅድ መካነ-እንስሳ፡ እቶም እንስሳታት ብናጽነት ክንቀሳቐሱ ይራኣዩ።

እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ቀልጢፉ ስለዝተላበዐ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት መካነ-እንስሳታት ክትዕ ኣለዓዒሉ ይርከብ።

ገለ ወሃብቲ ርእይቶ፡ እቶም እንስሳታት፡ ባህሪ እንስሳ ዘገዳም ከም ዘርኣዩ ብምግላጽ፡ እቲ ፍታሕ ንመካነ-እንስሳታት ብምዕጻዉ፡ ናጽነቶም ክረኽቡ ምግባር'ዩ ኢሎም።

ካልኦት ብወገኖም፡ እቲ መካነ-እንስሳ ውሕስነት ዘይብሉ ምጽንሑ ብምኹናን፡ ምስቶም ነቲ ዘስካሕክሕ ፍጻመ ብዓይኖም ዝራኣዩ በጻሕቲ ተደጋናጊጾም።

ኣብ ቻይና፡ ሰራሕተኛታት ብእንስሳታት ክብልዑ ልሙድ ኣይኮነን፡ ዋላ'ኳ ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት መጥቃዕትታት ዘጋጠም እንተኾነ።

ኣብ 2017፡ ኣብ ሓደ ተመሳሳሊ መካነ-እንስሳ ቻይና፡ ንመምርሒ ሰብመዚ ዕሽሽ ብምባል መስኮት መኪናኡ ኣውሪዱ እናተዓዘበ እንከሎ፡ ብድቢ ተነኺሱ ከምዝነበረ ይግለጽ።