ኣብ ጋምቤላ 5 ሰባት ብዕስለ ኣናብስ ተበሊዖም

ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣቦቦ ኣብ ዝብሃል ወረዳ ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ 5 ሰባት ብዕስለ ኣናብስ ከምዝተበልዑን ሓደ ሰብ ድማ ከቢድ ጉድኣት ከምዝወረዶ ኣማሓዳሪ እቲ ወረዳ ኣቶ ኡሞ ቱቶ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ኡሞ ቱቶ እቶም ኣናብስ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከውርዱ ምስ ጀመሩ ንዕቃበ እንስሳ ዘገዳም እቲ ክልል ስጉምቲ ክወስድ እኳ እንተሓበሩ ክሳብ ሕጂ ግን ዝኾነ ስጉምቲ ከምዘይተወሰደ ገሊጹ።
ኣቶ ኡሞ ቱቶ “ከም ክልል ወይ ወረዳ ኣንበሳ ክንቀትል ኣይንኽእልን ኢና፤ ንሕና ክንሕበር ጥራይ ኢና ንኽእል” ኢሉ።
ደይረክተር ዕቃበ እንስሳን ምውህሃድ ሕብረተሰብን ዝኾነ ኣቶ ካሕሳይ ገብረትንሳኤ ብወገኑ “ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓደጋ ዘውርድ ዘለዉ ኣናብስ ስጉምቲ ንምውሳድ ሓደ ጉጅለ ልኢኽና ነይርና ኢና። ሓደ ኣንበሳ ጥራይ ኢና ክንቀትል ክኢልና" ኢሉ።
ንሱ ብምስዓብ እዞም ኣብ ልዕሊ ሰብ ሓደጋ ዘውርዱ ዘለዉ ኣናብስ “ዕስለ ዘይኮኑ ጉጅለ እዮም” ኢሉ።
እንታይ እዩ ኣጋጢሙ?
ኣቶ ኡሞ፡ ኣብቲ ንሱ ዘመሓድሮ ወረዳ በዞም ጉጅለ ኣናብስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ኣብ ልዕሊ ሰባት ተመሳሳሊ ሓደጋ ኣጋጢሙ ምንባሩ እዩ ዝገልጽ።
“ዓሚ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ክልተ ሰባት ብኣናብስ ተበሊዖም፡ ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ተመሳሳሊ ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ነበርቲ ሓደጋ የውርዱ ኣለዉ” ኢሉ።
ኣቶ ኡሞ ሓደ ካብቶም ብኣናብስ ዝተበልዑ ሓደ ወዲ 30 ዓመት ኣብ ሕርሻ ሰሊጥ ዝተዋፈረ መንእሰይ ምንባሩ ብምሕባር እዚ መንእሰይ ካብ ስራሕ ናብ ገዝኡ እናመጽአ እንከሎ በዞም ኣናብስ ከምዝተበልዐ ጠቒሱ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ’ውን ብተመሳሳሊ እቲ ሓደ በዞም ኣናብስ ዝተበልዐ ውልቀ ሰብ ኣብ ሕርሽኡ እናሰርሐ እንከሎ በዞም ኣናብስ ከምዝተበለዐ ጠቂሱ።
እታ ኣብ ቀረብ ግዜ በዞም ኣናብስ ዝተበለዐት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና ናይ ምሸት ሰዓት ሽዱሽተ ብእግራ እናኸደት እንከላ በዞም ኣናብስ ከምዝተሃደነት እዩ እቲ ኣማሓዳሪ ዝገልጽ።
“እታ ሰበይቲ ካብዚ ቀበሌና ናብ ካልእ ቀበሌ ብእግራ ምስ ካልኦት ሰባት ኮይና እናኸደት ቁሩብ ካብ መኻይድታ ትርፍ ምስ በለት እቶም ኣናብስ ጎቢጦማ” ይብል ኣቶ ኡሞ።
እቲ ብኸቢድ ተሃስዩ ዘሎ ካልእ ውልቀ ሰብ በቶም ኣናብስ ኣብ ከባቢ መቐመጭኡ ብኸቢድ ከምዝተሃስየን ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎን እቲ ኣማሓዳሪ ሓቢሩ።
እቶም በዞም ኣንበስ ዝሞቱን ዝቐሰለን ኩሎም መሬት ከይጸልመተ እንተጓዓዙ እንከለዉ በዞም ኣናብስ ሓደጋ ከምዝወረዶም ዝገልጽ እዚ ኣመሓዳሪ ኣብቲ ወረዳ ከቢድ ስግኣት ሰፊኑ ምህላዉ ጠቂሱ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







