ኣብቲ ዝበረኸ ጎቦ ኣፍሪቃ ኪሊማንጃሮ ብሰንበት ዝጀመረ ባርዕ ዛጊድ ምቁጽጻር ኣይተኽኣለን

ኣብ ታንዛኒያ ጎቦ ኪሊማንጃሮ ዝተፈጠረ ባርዕ ንምጥፋእ ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝቐጸለ ተገሊጹ። እቲ ጎቦ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝበረኸ እዩ።

ኣባላት በዓልመዚ ብሄራዊ ፓርክ ታንዛኒያን ነበርቲ እቲ ኸባብን ነቲ ብሰንበት ዝጀመረ ባርዕ ከጥፍኡ ይረባረቡ ኣለዉ።

ኣብ በሪኽ ቦታ ዘጋጠመ ብምዃኑ ብጽንኩር ንፋስ ምስ ደረቕ ኩነታት ኣየርን ተሓጊዙ እቲ ሓዊ ይላባዕ ከምዘሎ ይግለጽ።

መንቀሊ እቲ ባርዕ ግን ዛጊድ ዝተፈለጠ ነገር የለን።

በዓልመዚ ብሄራዊ ፓርክ ታንዛኒያ ንኹነታት እቲ ባርዕ ዝገልጹ ስእልታት ኣብ ትዊተር ዘርጊሑ።

ብተወሳኺ'ውን እቲ ሓዊ ኣብ ዝጀመረሉ መዓልቲ ዝተሰኣለ ስእሊ ዘርጊሖም።

"እቲ ሓዊ ክሳብ ሎሚ ቀጺሉሎ፤ ኣባላት ምክልኻል ባርዕ፣ ካልኦት መንግስታዊ ትካላትን ነበርትን ኣብ ምጥፋእ እቲ ሓዊ ዝገብርዎ ጻዕሪ ቀጺሎምሉ ኣለዉ" ኢሉ ሓለፍቲ ስራሓ በዓል መዚ ብሄራዊ ፓርክ ታንዛኒያ።

ምኽትል ሓላፊ ኮሌጅ ምሕደራ እንስሳት መሮር ኣፍሪቃ ዝኾነ ኣሌክስ ኪሲንጎ፡ "እቲ ባርዕ ሰፊሕ እዩ፤ ንምክልኻል ዝግበር ጻዕሪ ቀጺሉ'ሎ" ኢሉ።

እቲ ኮሌጅ 264 ተመሃሮ ኣብ ምጥፋእ እቲ ባርዕ ክነጥፉን ንሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ዘድልይ ቀረባት ከቕርቡን ኣውፊሩ'ዩ።

ኣብ ህይወትን ንብረትን በጻሕቲ ዓዲ፣ ሰራሕተኛታት እቲ ፓርክን መራሕቲ ዑደንት ዝበጽሕ ጉድኣት ከይህሉ ጥንቃቐ ይግበር ከም ዘሎ ሓለፍቲ እቲ በዓልመዚ ገሊጾም።

ጎቦ ኪሊማንጃሮ 5 ሽሕን 895 ሜትር ብራኸ ዘለዎ ኮይኑ ኣብ ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ይስራዕ። ብዙሓት በጻሕቲ ዓዲ ናብቲ ቦታ ካብ ምኻዶም ብተወሳኺ ብ10ታት ኣሽሓት ዝግመቱ ናብቲ ጎቦ ይሓኹሩ።