ጉጅለ ሓኾርቲ ትግራይ ነቲ ዝነውሐ እምባ ጽበት ደይቦሞ

ካብ ከተማ መቐለ ንኣንፈት ምብራቕ ኣብ ዝርከብ እምባ ጮምዓ ሰንበት ሰንበት ወጋሕታ ቁምጣን ቱታን ዝተኸደኑ ሰባት ኣይሰኣንዎን።

ቅድሚ ሒደት ዓመታት፡ ብውሑዳት ሰባት ዝተጀመረ ንምእባ ጮምዓ ናይ ምሕዃር ልምዲ፡ ሎሚ ብዙሓት ሰባት እናሰዓብዎ ዳርጋ ልሙድ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ።

ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ናብቲ እምባ ምሕዃር ከምዝጀመረ ዝገልጽ ዓንዶም ገብረየሱስ፡ ምስ መሓዙቱ ኮይኑ ነቲ ሰንበት ሰንበት ዝግበር ጉዕዞ እግሪ ስሩዕ ሽም ክህብዎ ስለዝተረዳድኡ 'ትግራይ ሃይኪንግ ግሩፕ' ኢሎም ሰይሞምዎ።

ኣብዚ ጎቦታት ናይ ምሕዃር ሰሙናዊ ንጥፈት፡ ሰበ ሰልጣናት መንግስትን መምሃራን ዩኒቨርስቲ ይሳተፉ እዮም።

ቀንዲ ዕላማ ናይዛ ጉጅለ፡ ጥዕናኻ ንምሕላው ንእግረ መንገዶም ድማ፡ ንትግራይ ምስ ካልኦት በጻሕቲ ዓዲ ንምልላይን ከምኡ'ውን ናይ ካልኦት ህዝብታት ባህሊ ንምርዳእን ምዃኑ ዓንዶም ገብረየሱስ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ዓንዶም ገብረየሱስ ከም መንጫዕጫዕታ ማይ፣ ወሓዝቲ ሩባታት ዕምበባታትን ውቁብ ኣቐማምጣ መርየትን ዝኣመሰሉ ተፈጥሮኣዊ መስሕባት እናሰኣለ ኣብ ውልቃዊ ፌስቡክ ገጹ ብምጥቃዕ ብዙሓት ነጠፍቲ ፌስቡክ ነቲ እምባታት ትግራይ ንምሕዃር ዓሊሙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ጉጅለ ይጽምበርዎ።

እታ ጉጅለ ሓኾርቲ ንጥፈታታ ኣብ መቐለ ጥራይ ተደሪቱ ከይተርፍ ብምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ቅነ ኣብ ትግራይ ብቑመቱ ናብቲ ዝበረኸ ጎቦ ጽበት ሓዅራ።

"ዓቐብ ምድያብ ክጅምር ከለኹ እምበርከ ክወፆ ድየ? ብዝብል ዝተጀመረ ጉዕዞ፡ ድኻም ጥምየት ቁሪ ናይ ትንፋስ ሕጽረት ተደማሚሩ ተስፋ ዘቑርጽን ዘሕጉስን ኮይኑ እየ ረኺበዮ" ክትብል ርእይቶኣ ዘካፈለትና ኣባል እቲ ጉጅለ ፍረወይኒ ለኣከ እቲ ዝነበረ ድኻምን ታሕጓስን ጉዕዞ እምባ ፅበት ምስ ጥንስን ሕርስን ሓደ ከምዝነበረ ኣብሪሃ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርከብ እምባ ጽበት ኣዝዩ ቆራርን ብግመ ዝተሸፈነን እዩ። ብተወሳኺ፡ እቲ እምባ ኣጻድፍ ዝበዝሖ ብምዃኑ ንኽትሓኹሮ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ጫፍ እቲ እምባ ጽበት ዝበጽሑ ውሑዳት ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዓንዶም፡ "ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝነውሐን ቆራርን ዝበሃል እምባ ራስዳሽንን ናይ መሬት ሲኦል ተባሂሉ ዝግለጸሉ ኣርታዒለን ሓዅረ ርእዮ እሞ ኣይ ከምቲ እምባ ጽበት ሓዅረ ዝረኸብክዎ ባህታ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ እምባ ቆላሕታ ተገይርሉ ሕዛእቲ ክኸውን እንተድኣተገይሩ፡ መስሕብ ቱሪዝም ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረብ።

እቶም ጉጅለ ሓኾርቲ፡ ድሕሪ ናይ እምባ ጽበት ጻኒሒታ ቴንዳ ተኺላ ብምሕዳር ማሕበራዊ ህይወት እቶም ኣባላት ኣብ ምጥንኻር ዕዙዝ ግደ ተበርክት ይብል ዓንዶም ገብረየሱስ።

ጎቦታት ትግራይ ናይ ምሕዃር ንጥፈታት ካብ መቐለ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ከተማታት ትግራይ ማይጨው፣ ዓድግራት፣ ዓድዋ፣ ኣኽሱምን ሽረ እንዳስላሰን ባህሊ ኮይኑ ክቅጽል ይስራሕ ከምዘሎ ኣባል ጉጅለ ሓኾርቲ እምባታት ትግራይ ዓንዶም ገብረየሱስ ገሊጹ።