ኣብ ፓርክ ቃፍታ ሸራሮ ብዝተልዓለ ባርዕ ልዕሊ 1500 ሄክታር ሕዛእቲ ነዲዱ

ነቲ ባርዕ ኣብ ምጥፋእ ኣመራርሓ ዞባ ምዕራብን ወረዳ ቃፍታ ሑመራ ንህዝቢ ኣደባይ ኣተሓባቢሮም ሎምዓልቲ ወጋሕታ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ፡ እቲ ባርዕ ክጠፍእ ከምዝኻኣለ ተገሊጹ።

ኣተሓባባሪ እቲ ሕዛእቲ ኣይተ ዘነበ ኣረፋይነ፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ትግራይን እውን ልዑል ምርብራብ ከምዘካየዱ ንቢቢሲ ተሓቢሩ።

ኮይኑ ግና ሕዚ እውን ዝተኸወለ ባርዕ ከይህልው ብጥንቃቐ ክትትል ይግበር ምህላዉ ተዛሪቡ።

እንስሳ ዘገዳም ብፍላይ ሓራምዝ ከይፈናቐሉ ዝተገብረ ፃዕሪ እውን ውፅኢት ኣምፂኡ'ሎ ተባሂሉ።

ዝበጽሐ ሓደጋ

ኣይተ ዘነበ ኣረፋይነ ንቢቢሲ እንትገልፁ፡ እቲ ባርዕ ዛጊድ 1,500 ሄክታር ሕዛእቲ ኣቃፂሉ'ሎ ኢሎም።

"እቲ ባርዕ ዓመታዊ እዩ ዝኽሰት፤ ጠንቁ ድማ ኣብ ውሽጢ ናብቲ ሕዛእቲ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ስራሕ ዝሰርሑ ኣለሽቲ ወርቅን ጓሶትን ዘንቅልዎ እዩ" ክብሉ ገሊጾም።

ዝምልከቶ መንግስታዊ ኣካል ብእዋኑ ሓበሬታ ክረክብ ተገይሩ ምህላዉን፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ዓቕሞም ክንዲ ዝፈቐዶ ይከላኸሉ ከምዘለዉን እውን ተፈሊጡ'ሎ።

"ኣብቲ ሕዛእቲ ሰፊሕ ሽፋን ሳዕሪ ስለዘሎ ብቐሊሉ እናተባረዐ ይላባዕ ስለዘሎ ክንቈፃፀሮ ኣይከኣልናን" ኢሎም ኣይተ ዘነበ።

ዛጊድ ብግምት ልዕሊ 1500 ሄክታር ዱር ነዲዱ'ሎ ዝብሉ እቶም ኣተሓባባሪ፡ እቲ ባርዕ ተበጊስሉ ዘሎ ቦታ መንበሪ እንስሳ ዘገዳም ምስ ምዃኑ ዓብዪ ምፍንቓል ከምዝፈጥር ተዛሪቦም።

ብሰንክኡ ድማ ብፍላይ ሓራምዝ ብቐሊሉ ናብ ካልእ ከባቢ ክስደዳ ይኽእላ እየን ይብሉ ኣይተ ዘነበ።

"ብኻልእ ወገን ድማ እቶም ተስሓብትን ሰጐምትን ዝበሃሉን ብቐሊሉ ክሃድሙ ዘይኽእሉ እንስሳ፡ ይህሰዩ፤ እቲ ሳዕርን ኣግራብን እውን ይጉዳእ'ሎ" ኢሎም።

ኣብቲ ሕዛእቲ ኣብ ሓለዋ ዝወፈሩ 65 ዕጡቓት ኣለዉ፤ ካብዚኦም 40 ዝዀኑ ብምውፋር ብቘፅልን ብኻልእ ልማዳዊ መንገዲታት ብምጥቃም ንምክልኻል ይፃዓር'ሎ፤ ኰይኑ ግና እቲ ባርዕ ክጠፍእ ኣይከኣለን።

"ምስ ሓለፍቲ ፀጥታ እቲ ዞባን ወረዳታትን ብምዝርራብ፡ምልሻ፣ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊሲ፡ ከምኡ እውን ኣብ መዋሰኒ እቲ ሕዛእቲ ኣብ ዝርከባ ጣብያታት ዝርከቡ መናእሰይ ሎሚ ንጉሆ ሰዓት 10 ብምግስጋስ ኣብ ወፍሪ ምጥፋእ ሓዊ ክወፍሩ'ሎ።

"እቲ ባርዕ ዓመታዊ እዩ ዝለዓል፡ እቲ ሕዚ ተላዒሉ ዘሎ ግን ኣብቲ መንበሪ ሓራምዝ ዝነቐለ ምስ ምዃኑ ሰፊሕ ምፍንቓል ከስዕብ ይኽእል እዩ" ይብል ኣይተ ዘነበ።

እቲ ባርዕ ከምቲ ዝኸዶ ዘሎ እንተቐፂሉ፡ "ፍርቂ ዝኸውን እቲ ሕዛእቲ ክጠፍእ ይኽእል እዩ" ዝብል ስግኣት ሓዲሩዎም'ሎ። መንግስቲን ህዝቢን ተረባሪቦም ከጥፍእዎ እንተዘይክኢሎም፡ እቲ ዝሰፈሐ ሕዛእቲ ክቃፀል እዩ" ዝብል ግምት ኣለና ኢሎም።

ኣይተ ዘነበ፡ እቲ ባርዕ ብኣንፈት ኣደባይ፡ ኣብ ጣብያታት ጠበቖ፣ከርሸሊት፣ ወራውሮን ፀሊም ጎቦ ሰፊሕ ዕንወት የብፅሕ'ሎ ኢሎም።

ሸራሮ-ቃፍታ ሑመራ ዝበሃል ሕዛእቲ ብፌዴራል መንግስቲ ዝመሓደር ኰይኑ፡ በዓል መዚ ሓለዋ እንስሳ ዘገዳምን ኣግራብን ኢትዮጵያ ብቐረባ ይመርሖ።

ሎምዓልቲ እቲ ባርዕ ኣብፂሕዎ ዘሎ ሓደጋን ኣብ ምንይታ ደረጃ ይርከብን ዝብል ተኸታቲልና ክንሕብረኩም ኢና።