እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብናን'ቲ ኣብ ጎቦ ኣጉንግ ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ፡ ንመዓልቦ ነፈርቲ ባሊ ንኻልኣይ መዓልቲ ዓጽዩዎ
ሰበ-ስልጣን ኢንዶነዥያ፡ እቲ ኣብ ባሊ ዝርከብ መዓልቦ ነፈርቲ ንኻልኣይ መዓልቲ ክዕፆ ወሲኖም።
እቲ ኣብ ጎቦ ኣጉንግ ዘጋጠመ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ብናን ድማ ምኽንያት ምትእጉጓል በረራ ከምዝኾነ ገሊፆም።
እቲ እሳተ-ጎመራ መሊሱ ከይግንፍል ስግኣት ብምህላዉ፡ እቶም ሰበ-ስልጣን መጠንቀቕታ ሂቦም ነይሮም።
ክሳብ 100,000 ሰባት ካብ መረበቶም ተላዒሎም ናብ ካልእ ቦታ ክፀንሑ መልእኽቲ ተመሓሊፉ እዩ።
ብናን እሳተ ጎመራ ንሞተር ነፈርቲ ብምጉዳእ፡ ክወድቃ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ኣብራሪ'ውን ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ነገራት ብንፁር ከይርእይ ብምግባር ንሓደጋ የሳጥሕ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ን24 ሰዓታት ክዕፀው ውሳነ ተዋሂቡ እንተነበረ'ኳ፡ እቲ ምንዋሕ ግዜ ሎሚ ሶሉስ ዕላዊ ኮይኑ።
ክሳብ 400 በረራታት እንትስረዙ፡ ክሳብ 59 ሽሕ ተጓዓዝቲ ካብ መገሽኦም ምትእጉጓል ኣጋጢምዎም።