እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ታንዛኒያ፡ ሓደ ዓዳኒ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንካልኣይ ግዜ ዋጋ ሚልዮናት ዶላራት ዑንቊ ረኺቡ
ኣብ ታንዛንያ ሓደ ባህላዊ ዓዳኒ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝረኸቦ ክቡር ዑንቊ ብ3.4ሚልዮን ዶላር ሸይጡ ኣብ ሓደ ለይቲ ሚልየነር ድሕሪ ምዃን ሕጂ ድማ ካልእ ዑንቊ ረኺቡ ብ2 ሚልዮን ዶላር ሸይጥዎ።
እዚ ሳኒንሁ ላይዘር ዝተብሃለ ታንዛንያዊ ዝረኸቦ ታንዛኒተ ዝተባሃለ ክቡር ዑንቂ 6.3 ኪሎ ግራም እዩ ዝምዘን።
እዚ ማዕድን ኣብ ሰሜናዊ ካፋል ታንዛንያ ጥራይ ዝርከብ ኮይኑ ንመስርሒ ሽልማት እዩ ዘገልግል።
ክኢላታት ስነ ማዕድን፡ እዚ ዕንቊ ኣብዛ ዓለም ብዙሕ ስለ ዘየለ ዋግኡ ኣብ ዝመጽእ ዕስራ ዓመታት ብዕጽፍታት ክውስኽ ከም ዝኽእል እዮም ዝዛረቡ።
እዚ ክቡር ዕንቊ ክርከብ እንከሎ ብገዚፍ ከም ዝርከብን ቀጠልያ፣ ቀይሕ፣ ሰመያውን ወይናይ ሕብርን ከም ዘለዎ ይግለጽ።
እቲ ዋግኡ’ውን ከከም ሕብሩ ዝፈላለ ኮይኑ እቲ ብሩህ ሕብሪ ዘለዎ ዝያዳ ክቡር እዩ።
ሳኒንሁ ላይዘር ነቶም ከምኡ ባህላውያን ዓዳኖ ምስ መንግስቲ ብምትሕብባር ክዕድኑ ማዕድኡ ለጊሱ ኣሎ።
ብምስዓብ “ዝረኸብናዮ ናብ መንግስቲ ምሻጥ ማለት ዝያዳ ዉሑስ ምዃን ማለት እዩ፡ እንካን ሃባን እዩ ካልእ ሕብእብእ የብሉን” ኢሉ።
ጋዜጤኛ ቢቢቢ ኣቡቦኮር ፋሙ፡ ባህላውያን ዓደንቲ ካብ ኣስራሕቶም እኹል ከም ዘይክፈሎም ወትሩ ከም ዘማርሩ ይሕብር።
እዚ ኣቦ 30 ውሉዳት ዝኾነ ሳኒንሁ ላይዘር ሓንሳብ 9.2 ኪሎ ግራም ሕጂ ድማ 5.8 ኪሎ ግራም ክቡር ዑንቂ ብምርካቡ ናይ ሓጎስ ድግስ ከም ዘካየድ ሓቢሩ ነይሩ።
እንተኾነ ትማሊ ሰኑይ ነዚ ሰልዲ ኣብቲ ንሱ ዝነበርሉ ዞባ ማናያራ ንመስርሒ ቤት ትምህርትን ሕክምናን ከም ዘውዕሎ ገሊጹ።
ቅድሚ ክልተ ወርሒ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሕተት እዚ ዝረኸቦ ሰልዲ ሜላ ኣነባብርኡ ከም ዘይቕይሮ ብምሕባር ነተን ዘለወኦ 2000 ዝኾና ጥሪት (ከብቲ) ኣብ ምርባሕ ከም ዝቅጽል እዩ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ 2017 ፕረዚደንት ማጉፉሊ ነቲ ታንዛኒተ ዝርከቦ ከባቢ 24 ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ መንደቅ ገይርካ ክሕጸር ኣዚዙ ነይሩ።
እንተኾነ ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣታዊታት ናይቲ ዕደና ስለ ዝወሰኸ መስርሒ እቲ መንደቅ ካብ ኣታዊታት ዕደና ክካየድ ተወሲኑ።