ቤሻንጉል፡ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ብዝተልዓለ ጎንጺ 12 ሰባት ተቐቲሎም

ካርታ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል-ጉሙዝ፡ ዞባ መተከል፣ ወረዳ ማንዱራ ቀበሌ ዱሃዝባጉና፡ ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ብዝተልዓለ ጎንጺ 12 ሰባት ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ፡፡

እቲ ጎንጺ፡ ሰንበት ሰዓት ሸሞንተ ናይ ለይቲ ከምዘጋጠመ ዝገለጸ ናይቲ ክልል ህንጸት ሰላምን ሓላፊ ጸጥታን ኣቶ ጋሹ ዱጋዝ፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ቀበሌ ሰለስተ ሰባት ናይ ሓደ ውልቀ ሰብ ብረት ኣሕዲጎምን ብካራ ወጊኦምዎን ከምዝኸዱ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ብድሕሪ'ዚ ድማ ኣዝማድ እቲ ጉድኣት ዝበጸሖ ውልቀ ሰብ ብስምዒት ነዲሮም፡ ብብረት ዝተሓገዘ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙን ህይወት ከምዝጠፍአን እቲ ሓላፊ ገሊጹ፡፡

ሓው እቲ ብረት ዝተመንጠለ ሰብኣይ 12 ሰባት ቀቲሉ ንሓደ ካሊእ ከምዘቑሰለ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

ብተወሳኺ እቲ ቐታሊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሉ ምርመራ ይግበረሉ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ርክብ መንግስቲ ክልል ቤንሻንጉል ኣቶ መለስ በየነ ብወገኑ እቲ ጎንጺ ከይጋፋሕ ሰራዊት ምክልኻልን ኣካላት ጸጥታ እቲ ክልል ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ኢሉ፡፡

ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሽሙ ክጥቀስ ዘይደለየ ናይ ዓይኒ ምስክር: እቲ መጥቃዕቲ ብለይቲ ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ ‘‘ ኣብቲ 12 ሬሳ ዝወጸሉ ቦታ እየ ዝነብር’’ ብምባል ናብ ጫካ ከምዝሃደመ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ብፍርሒ ኣብ ጫካ ተበቲኖም ከምዝሓደሩ ዝገልጽ እቲ ምስክር፡ ሎሚ 2 ጥቅምቲ ድሕሪ ቀትሪ ቢቢሲ ኣብዘዘራረቦ እዋን ድማ ‘‘ሕዚ ኣብ ሓደ ገዛ ተዓሺግናን ተኸልኪልናን ኢና ዘለና’’ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ተመሳሰልቲ መጥቃዐቲታት እንትፍጸሙ በቢደረጅኡ ዘለዉ ኣመሓደርቲ ግቡኦም ከምዘይዋጽኡ እቲ ምስክር ዓይኒ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

እቲ ጎንጺ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ጥራሕ ከምዝበረ ዝገልጽ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን እቲ ክልል ኣቶ መለሰ ግና: ኣመራርሓ እቲ ከባቢ ድሕነት እቲ ሕብረተሰብ ንምሕላው ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ይገብር ከምዘሎን እቲ ከባቢ ኣንጻራዊ ሰላም ዓሲልዎ ከምዘሎን ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡