ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ 14 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 14 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ኣብ መተከል ዞን፡ ጉባ ወረዳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ካልኦት ቆሲሎም ከምዘለዉ እውን ሰብመዚ ገሊጾም።
እቶም ዕጡቓት ብሰኑይ ናይ ምሸት፡ ኣብ ላይታ ዝተባህለ ቀበሌ (ከባቢ) ብምእታው 14 ሰባት ከም ዝቐተሉ ሓላፊ ኮሚኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ተዛሪቡ።
ዋና ዳይረክተር ግዛቸው ሙሉነህ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቶም ግዳያት “ተወለድቲ ኣምሓራ ኮይኖም ካብ ሰከላ ዝኸዱ’ዮም” ኢሉ።
ካብ መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ግን ብዛዕባ መንነት ናይቶም ግዳያት ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
“ሓደ ዕጡቕ ጉጅለ ሸፋቱ ነቲ መጥቃዕቲ ኣካይድዎ … ብዝተወጠነ መንገዲ’ዮም ተቐቲሎም” ዝበለ ኣቶ ግዛቸው፡ “ናይ ብሄር ግጭት ንምልዕዓል” ዝዓለመ’ዩ ብምባል ገሊጽዎ።
መከላኸሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ከምዘሎን፡ ገለ ካብቶም ዕጡቓት ምስ ሓይልታት ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝገጠሙን እቲ ብዓልስልጣን ጠቒሱ።
እቲ ከባቢ፡ ዱር ዝበዝሖ ብምዃኑ እቶም ዕጡቓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እቲ ሰራዊት ክኣትዉ ኣይክኣሉን ተባሂሉ’ሎ።
ኣቶ ግዛቸው ብዝሃቦ ሓበሬታ መሰረት፡ ሰብመዚ ጸጥታ ክልል ቤኒሻንጉል ብወገኖም ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብቲ ከባቢ ሰላም ሰፊኑ ኣሎ።
ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ነባሪ ናይቲ ከባቢ ከምዝበሎ ግን፡ “ካብ ክልተ ቀበሌታት ዝተዋጽኡ ኣስታት 100 ዝኾኑ” ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸሙ ገሊጹ። ኣብታ ዞባ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ግጭት ክፍጠር ምጽንሑ ይግለጽ።
ብሰንኪ’ቲ መጥቃዕቲ ልዕሊ 50 ሰባት ተፈናቒሎም ከምዘለዉ’ውን ጸብጻባት ሓቢሮም።
እዚ መጥቃዕቲ’ዚ ኣብቲ ከባቢ ንራብዓይ ግዜ ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ተፈሊጡ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተፈጸመ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ’ውን 9 ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይፍለጥ።
ገለ ነበርቲ፡ ሰራዊት ኣብቲ ቦታ ብምእታው፡ ነቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ዕጡቓት ክቆጻጸርን፡ ንሰላማውያን ሰባት ክሕሉን ጸዊዖም።
እቲ ከባቢ፡ ካብቲ ግድብ ሓዳሴ ኢትዮጵያ ዝሰረሓሉ ዘሎ ቦታ ኣስታት 50 ኪሜ ርሒቑ ዝርከብ’ዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







