ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ህይወት ሰባት ጠፊኡ

ካርታ ኢትዮጵያ

ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወረዳ ደዌ ሃረዋ፡ ኣብ ሞንጎ ዕጡቓት ሓይልታትን ነበርቲ እቲ ከባብን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ናይ ሰባት ህይወት ጠፊኡ።

ነባሪ እቲ ወረዳ ዝኾኑ ኣይተ ሞሓመድ ሰይድ ንቢቢሲ ከም ዝሓበርዎ፡ ኣባላት ፀጥታ ኢና ብዝብል ዝንቀሳቐሱን፡ ወተሃደራዊ መለለዪ ክዳን ዘይተኸደኑን ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ሰፊሮም ነይሮም።

"ወተሃደራዊ መለለዪ ክዳን ስለዘይተኸደኑ ኣባላት ፀጥታ ኣይመስሉን። ዝሓዝዎ ባንዴራ'ውን ኣብ ማእኸሉ ኮኾብ ኣይነበሮን። በዚ ኩነታት ንሓደ ሰሙን ዝኣክል ምስፀንሑ፡ ወተሃደራዊ ዝመስል ክዳን ኣብዚ ከባቢ ኣስፍዮም ተኸዲኖም" ኢሎም።

ፀኒሖም ድማ ተዓጢቖም እናተንቀሳቐሱ፡ ንነበርቲ ዕጥቆም ከፍትሑ ምስ ጀመሩ፡ ምስ ናይቲ ከባቢ መናእሰይ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ከም ዝተገበረ ዝዛረቡ ኣይተ መሓመድ "እቲ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ሎሚ ሳልሳይ [ትማሊ ሓሙስ] መዓልቱ ሒዙ'ሎ" ክብሉ ሓቢሮም።

ናይቲ ዞባ ሓላፊ መምርሒ ፀጥታ ኣይተ ኣብዱ መሓመድ ብወገኖም፡ እቶም ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ዝሰፈሩን ተዓጢቖም ዝንቀሳቐሱን፡ ብመንግስቲ እቲ ክልል ዝተዋፈሩ ኣኽበርቲ ፀጥታ ከም ዝኾኑ ገሊፆም።

እቲ ጎንፂ ከም ዝተፈጠረ መረጋገፂ ብምሃብ ድማ፡ ነቲ ኩነታት ንምህዳእ ሰራዊት ምክልኻል ናብቲ ከባቢ ከም ዝተዋፈረ ተዛሪቦም።

ገና ምፅራይ ይካየድ'ኳ እንተሃለወ፡ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ምጥፍኡ ከም ዝተረጋገፀ ግን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ኣይተ መሓመድ፡ በቲ ጎንፂ ካብቶም ዕጡቓትን ናይቲ ከባቢ መናእሰይን ከም ዝተቐተሉ'ዮም ዝዛረቡ።

ካብ ትማሊ [ረቡዕ] ጀሚሩ ናይቲ ከባቢ ዓበይቲ ዓድን ሰራዊት ምክልኻልን ኣብ ሞንጎ ብምእታዎም ተኹሲ ክቋረፅ ኪኢሉ ኣሎ" ኢሎም።